ዳህሳስ ስነ ቃላት መፅሓፍ ተምሃራይ ተግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ብመንፅር ዕለማ ትምህርቲ ቋንቋ
Date
2025-01-28
Authors
Journal Title
Journal ISSN
Volume Title
Publisher
Mekelle University
Abstract
ማራ መፅናዕቲ
ናይዚ መፅናዕቲ ትኹረት ኣብ ታሽዓይ ክፍሊ መፅሓፍ ተምሃራይ ዘለው ኣካል ስነ ፅሑፍ ዝኾኑ ስነ ቃላት ብመንፅር ብመንፅር ዕላማ ትምህርቲ ቋንቋእንታይ ከም ዝመስል ምድህሳስ እዩ።።ናይዚ መፅናዕቲ መበገሲ ዝኾነ ሓፈሻዊ ዛዕባ ድማ ስነ ቃላት ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘለዎም ሰሓብነት ቋንቋ ፣ምስ ባህልን ልምድን
ተምሃሮ ዘለዎ ምትእስሳር ዝፍትሽ እዩ።ከምዚ እንትኸውን ኣብዚ መፅናዕቲ ዝትንተሉ
ስነ ቃለት ብፈተሻ ሰነድ ዝተኣከቡ ብዓይነታዊ ሜላ ኣተናትና ዝተተንቲኑ እዮም።
ዕልባት እዚ ፅሑፍ እንትርአ ድማ ከም ኣድላይነት ስነ ቃል ኣብ ከይዲ ምምሃር
ምስትምሃር ክንዲ ዘድለ ከም ዘይኮነን በመንፅር ዝተሰከሞ ትሕዝቶ እውን ኣብ
ምኽዕባት ክእለት ቋንንቋ፣ ስብእናን ባህልኻ ምፍላጥን ትኹረቱ ዝተሓተ እዩ። እዚ
ብምዃኑ ድማ መፅነዓይ ኣብ ምድላው መፅሓፍ ተምሃራይ ዝሳተፉ ኣካላት መዳርግቲ
ኣካለት ከም ዘድልን መምህራን ድማ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተወሳኺ ፃዕሪ
ከም ዘድልዮም ኣንፈት ዘቐመጠ እዩ።
