ግደ ስነ ፅሑፋዊ ስራሕቲ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ኽእለት ፅሕፈት

No Thumbnail Available

Date

2025-01-25

Journal Title

Journal ISSN

Volume Title

Publisher

Mekelle University

Abstract

ማራ መፅናዕቲ እዚ መፅናዕቲ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ንዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ዝቐረቡ ስነ ፅሑፋዊ ስራሕቲ ኣብ ምምዕባል ኽእለት ንዘለዎም ግደ ንምፍታሽ ዝዓለመ እዩ። ስነ ፅሑፍ ምስ ምስትሃር ቋንቋን ምስትምሃር ፅሕፈትን ብምርእኣይ ዘለዎም ምትእስሳር፣ ዓይነታት ስነ ፅሑፍ፣ ረብሓታት ስነ ፅሑፍ ብመንፅር ዕላማን ምምዕባል ኽእለትን ፅሕፈት ዝብሉ ተዳህሲሶም እዮም። ፍልፍል መረዳእታ ኰይኑ ዘገልገለ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ እንትኸውን ሜላ መአከቢ ሓበሬታ ድማ ፈተሻ ሰነድ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ እዩ። እቶም ብፈተሻ ሰነድ ዝተኣከቡ ሓበሬታታት ድማ ብዓይነታዊ ተተንቲኖም ቐሪቦም እዮም። ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ንዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ዝቐረቡ ስነ ፅሑፋት ንምስትምሃር ፅሕፈት ዝተኸተልዎ መርኣያ ቋንቋ ዘለዎ ግቡእነትን ግደ ስነ ፅሑፋዊ ስራሕቲ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ኽእለት ፅሕፈትን ተተንቲኖም እዮም። ካብ እቶም ኣብቲ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ዝቐረቡ ስራሕቲ ስነ ፅሑፍ እቶም (19) ኣራእስ ንምምዕባል ኽእለት ፅሕፈት ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ እዮም።

Description

Keywords

Citation

Endorsement

Review

Supplemented By

Referenced By