ሽፋንን ረብሓን ስነቃላት ንምስትምሃር ክእለታት ቋንቋ ኣብ መምሃሪ መፅሓፍ ተምሃራይ ዓስራይ ክፍሊ ትግርኛ

Date

2025-04-28

Journal Title

Journal ISSN

Volume Title

Publisher

Mekelle University

Abstract

ማራ ፅሑፍ ናይ እዚ መፅናዕቲ ዋና ዕላማ ኣብ መምሃሪ መፅሓፍ ትግርኛ ዓስራይ ክፍሊ ስነ ቃላት ዝተዋሃቦም ሽፋን ፣ዘለዎም ረብሓን ኣብ ምምሃር ክእለት ቋንቋን ምፍታሽ እዩ። እዚ መፅናዕቲ ንምክያድ መፅንዒት ዝተጠቐመትሉ መአከቢ መረዳእታ ፈተሻ ሰነድ እዩ። ዝተረኸቡ መረዳእታታት ድማ ብዓይነታውን ኣሃዛዊን ብዝኾነ መንገዲ ተተንቲኖም ቀሪቦም። መፅንዒት ነዚ መፅናዕቲ ንምክያድ ዘላዓዓላ ኣብ መምሃሪ መስተምሃሪ መፅሓፍ ተምሃራይ ዓስራይ ክፍሊ ንስነ ቃላት ዝተወሃቦም ሽፋን ክንደየናይ እዩ? ክእለት ቋንቋ ንምስትምሃር ዘለዎም ግደ ከ እንታይ ይመስል? እቶም ዝተኻተቱ ስነቃላት ተምሃሮ ዝርብሕሉ መንገዲ እንታይ እዩ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶትት ንምምላስ እዩ።ብመሰረት እዚ መፅንዒት ብሜላ መአከቢ መረዳእታ ፈተሻ ሰነድ ተጠቒማ ብዝገብረቶ መፅናዕቲ እዚ ዝስዕብ ውፅኢት ተረኺቡ ኣሎ። ንሱ እውን ፦ኣብ መምሃሪ ምፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓስራይ ክፍሊ ስነቃላት ዝተወሃቦም ሽፋን ዝሐሸ ምዃኑ፤ ከምኡ እውን ኣርባዕቲኦም ክእለት ቋንቋ ንምስትምሃር ትሑት ምዃኖምን ኣብዘሐኦም ኣብ ምሃብ ፍትሒት ጥራሕ ዝተኮሩ ምዃኖም፤ እቶም ዝተኻተቱ ስነቃላት እውን ኮነ ተባሂሉን ተምሃሮ ይረብሑ እዮም ፣ ክእለታት ንምስትምሃር ይሕግዙ እዮም፣ ተባሂሎም ተሓሲብሎም ዝተኻተቱ ኣይኮኑን ። ብመሰረት እዚ መፅንዒት ዘቐመጠቶ መፍትሒ ሓሳብ ድማ ኣብ ዝዳለዉ መምሃሪ መፃሕፍቲ ተምሃራይ ትግርኛ ንስነቃላት ትኹረት ተገይርሎም እኹል ዝኾነ ሽፋን ክወሃቦምን ትሕዝቶኦም ድማ እቶም ክእለታት ቋንቋ መሰረት ብምግባር ክዳለዉ ከም ዘለዎም እዩ። እዙይ ድማ ናይ ሓደ ክልተ ኣካላት ተበግሶ እንተይኮነስ ኣብ ዕብየት ቋንቋ ትግርኛ ተርኡ ክዋፃእ ዝግበኦ ኩሉ ካብ ውልቀ ሰባት ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዎት መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝምልከቶምን ክሓስብሉን ክሰርሕሉን ከም ዝግባእ እዩ።ብሓፈሻ እዚ መፅናዕቲ ሓሙሽተ ምዕራፋት ዝሓዘ እዩ። ምዕራፍ ሓደ ፤ መእተዊ ኮይኑ ኣብ ትሕቲኡ ድሕረ ባይታ መፅናዕቲ፣ ሓተታ ፀገም መፅናዕቲ ዘጋጠሙ ፀገማትን እዮም። ምዕራፍ ክልተ፤ ዳህሳስ ተዛመድቲ ክልሰ ሓሳባትን ተዛመድቲ ቅዱማት መፅናዕትን ዝሓዘ እዩ። ምዕራፍ ሰለስተ፤ ሜላ ኣፀናንዓ፣ ምዕራፍ ኣርባዕተ፣ትንተና መረዳእታ፣ ምዕራፍ ሓሙሽተ ፣መጠቐለልን ለበዋን ሒዙ ይርከብ።

Description

Keywords

Citation

Endorsement

Review

Supplemented By

Referenced By