Repository logo

ግቡእነት ኣተገባብራ ዕዮ ጉጅለተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊኣብምምዕባል ክእለት ዝርርብ ጠመተ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሕብረት ሽረ እንዳስላሴ

Loading...
Thumbnail Image

Journal Title

Journal ISSN

Volume Title

Publisher

Mekelle University

Abstract

ትኹረት እዚ መፅናዕቲ ግቡእነት ኣተገባብራ ዕዮ ጉጅለ ክፍሊተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ሕብረትኣብ ምምዕባል ክእለት ዝርርብ ንዝህልዎ ግቡእነት ዝድህሳስ እዩ፡፡ ናይዚ መፅናዕቲ ቀንዲ ዕላማታት ድማ ኣወዳድባ ተምሃሮ ኣብ ክእለት ዝርርብ ከመይ ከም ዝዀነ ምግምጋም፤ኣብቲ ዕዮ ጉጅለ ተምሃሮ ዘሎዎም ተሳትፎን ግደን ምግንዛብ፤ ኣብ ክእለት ዝርርብ ብውዳበ ወይ ጉጅለ ዝወሃቡ ንጥፈታት ምምርማር፤ ተምሃሮ ክእለት ዝርርብ ብጉጅለ ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ግደ መምህር ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ እንታይ ምዃኑ ምፍታሽ፤ኣብ ኣተገባብራ ዕዮ ጉጅለ ፀገማት ምስትምሃር ክእለት ዝርርብ ምንፃር ዝብሉ እዮም፡፡ መምህራን ክእለት ዝርርብ ንምምሕያሽ ዕዮ ጉጅለ ወሳኒ ምዃኑ ፈሊጦም ስርዓት ዘለዎ ኣወዳድባ ክህሉ፣ ብጉጅለ ንምዝርራብ ኣድለይቲ ንጥፈታት ብምፍላይ ውፅኢቱ ንምቁፅፃር እዩ፡፡ናይዞም ዕላማታት መልዐሊ ምኽንያት ጉጅለ ምይይጥ ንምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎ ረብሓ መሰረት ብምግባር ዝለዓሉ መካታዕቲ ሓሳባት መልሲ ንምሃብ ዝዓለመ እዩ፡፡በዚ መሰረት ዝተኣከቡ መረዳእታታት ብመልክዕ ቁፅራውን ገለፃውን ተተንቲኖም ቀሪቦም እዮም። ነዚ መፅናዕቲ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ከም ቀንዲ መአከቢ ሓበሬታ ተገይሮም ዝተወሰዱ ትዕዝብቲን ፈተሻ ሰነድን እዮም፡፡ ብመሰረት እዚ መፅናዕቲ ጉጅለ ምይይጥ ንምምዕባል ክእለት ዝርርብ ወሳኒ እኳ እንተዀነ ኣብ ኣተገባብርኡ ግን መምህራን ትኹረት ሂቦም ዘይሰርሕሉ ምዃኑ በዚ መፅናዕቲ ክረጋገፅ ተኻኢሉ እዩ፡፡ ስለዚ መምህራን ነዚ ፀገም ንምቕራፍ ወይ ንምፍታሕ ተዛመድቲ መፃሕፍቲ ኣብ ኣተገባብራ ዕዮ ጉጅለ ከንብቡን ብትግሃት ክሰርሑን፣ ካልኦት ተወሰኽቲ ስልጠናታት ክወሃቦምን ይግባእ፡፡ ካሊእ መምህራን ነዚ ንምትግባር ዘፀግመሎም ኩነታት ንምፍላጥ ካልኦት ተወሰኽቲ መፅናዕቲታት ክግበር ይግባእ፡፡

Description

Keywords

Citation

Endorsement

Review

Supplemented By

Referenced By