ግቡእነት ምንባባት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ንባብ
No Thumbnail Available
Date
2025-01-25
Authors
Journal Title
Journal ISSN
Volume Title
Publisher
Mekelle University
Abstract
ማራ መፅናዕቲ
እዚ መፅናዕቲ ግቡእነት ምምባባት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ኣብ
ምምዕባል ክእለት ምንባብ ዝብል ርእሲ ሒዙ ዝተበገሰ እዩ። በዚ መሰረት ነዚ ዝቀረበ
ርእሲ መፅናዕቲ ንምዕዋት ድሕረባይታ መፅናዕቲ ብዝብል ርእሲዝተፈላለዩ ምሁራን
ዝብልዎ ሓሳብ ብምውሳድ ገለፃ ተገይሩሉ እዩ። እዚ ርእሲ ብዋናነት ሰለስተ ቀንዲ
ዕላማታት ንምዕዋት ማለት እውን ምንባባት ኣብ ምዕባለ ክእለት ንባብ ዘለዎ ምችውን
እንታይ ይመስል ምንባባት ምስተሓንፀፁ ዕላማታት ዘለዎም ዝምድናን ትሕዝቶታትን።
ምንባባት ንምዕባለ ክእለት ንባብ ዘለዎም ሰሓባይነት ከመይ ይረአ ዝብሉ ሒዙ ዝተልዓለ
እዩ። ነዞም ቀንዲ ዕላማታት መልሲ ንምርካብ ድማ ዳህሳስ ሰነድ ከም መሳርሒ መአከቢ
መረዳእታ ዝተጠቐመ እንትኸውን መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ
ዘለዉዎ ትሕዝቶታት ምንባብ ዝርዝር መዐቀንታት ሰደቓ ብምድላው ዳህሳስ ሰነድ
ተኻይዱ።
እዚ መፅናዕቲ ዓይነታዊ ሜላ መአከቢ መሳርሒ ዝኣከቦም መረዳእታታት ብመንፅር
ዝርዝር ዕላማታቱ ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘድሀቡ ሓሳባትናብሓደብምውህላል ዓይነታዊ ሜላ
ትንተና ብምጥቃም ብዝርዝርሓሳባዊገለፃ ተተንቲኖም እዮም፡፡ ከም ውፅኢት ዝተረኸበ
ቀንዲ ርካቦ እንትርአ ድማ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ዘለዉ
ምንባባት ኣብቲ ደረጃ ክፍሊ ንዝምሃሩ ተምሃሮ ክእለት ንባብ ንምዕባል ዘለዎም ምቹውነት
ዝተሓተ ከም ዝኾነ፤ እዞም ትሕዝቶታት ምንባብ ተምሃሮ ክምሃሩዎም ምስ ዝተሓንፀፁ
ዕላማታት ዘለዎም ዝምድና ፀገማት ከም ዘለዉዎ ብፍላይ ዝርዝርን ክዕቀኑ ዝኽእሉ
ዕላማታት ኣብ ምቕማጥ ሕፅረታት ከም ዘለዉ፤ ከምኡውን እዞም ምንባባት እዚኦም
ንምዕባለ ክእለት ንባብ ዘለዎም ሰሓባይነት ክንድቲ ዝድለ ሰሓባይ ከም ዘይኮነን ዘለዎም
ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ኣብ ተምሃሮ ናይ ምስልቻው ኩነታት ከምዝፈጥርን ነቲ ዝተደለየ
ክእለት ቋንቋ ኣዘውቲሮም ናይ ምልምማድ ዕድል ንክንእስ ፅልዋ ከም ዘሕደረ ዝብሉ
ወሰንቲ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም።