ግቡእነት መልመድታት ኣንቢብካ ምርዳእ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ዝርርብ

No Thumbnail Available

Date

2025-01-25

Journal Title

Journal ISSN

Volume Title

Publisher

Mekelle University

Abstract

ማራ መፅናዕቲ እዚ መፅናዕቲ ኣብ መፅሓፍ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ትሕዝቶታት ኣንቢብካ ምርዳእ ኣብ ምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎም ግቡእነት እንታይ ከም ዝመስል ይፍትሽ። ቀንዲ ዕላማ እዚ መፅናዕቲ ኣብ መፅሓፍ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ዝተቐመጡ ትሕዝቶታት ኣንቢብካ ምርዳእ ንምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎም ግቡእነት ምፍታሽ እንትኸውን ኣብ ግንዛበ መልመድታት ንክእለት ዝርርብ ዝምልከት ምኳኑ ምፍታሽ ፤ዑደታዊ ደረጃታት ዝርርብ ብትሕዝቶታት ኣንቢብካ ምርዳእ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ምፍታሽ፤ዝምድና ኣንቢብካ ምርዳእን ምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎም ግቡእነት ምፍታሽ ዝብሉ ድማ ዝርዝር ዕለማታት እዮም። ነዚ መፅናዕቲ ንክካየድ መልዐሊ ዝኾነ ሓሳብ ነዚ መምሃሪ መፅሓፍ ተጠቒምካ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ዝትግበረሉ እዋን ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ዘለዉ ናይ ኣንቢብካ ምርዳእ መልመድታት ንምምዕባልን ምስትምሃርን ክእለት ዝርርብ ሓገዝቲ ዘይኾንሉ ትዕዝብቲታት ብምህላዎም እዩ። ኣብዚ መፅናዕቲ ቀንዲ ተፀናዒ እቲ መፅሓፍ ባዕሉ እዩ። ብምሉእነት ሰነድ ፍተሻ ምስ ሳይንሳዊ ሓቅታት ዝተኣሰሰረ ትንተና ዘለዎ እዩ። ሰነድ ፍተሻ ሜላ መአከቢ መረዳእታ ኮይኑ እዚ ተፀናዕን ኣገባብ ኣተኣኻኽባ መረዳእታን ዕሉም ብዝኾነ ኣገባብ ዝተሓረዩ እዮም። እዚ መፅናዕቲ ዓይነታዊ እዩ። ዝበዝሑ መረዳእታታት ዓይነታዊ ብዝኾነ ኣገባብ እዮም ተተንቲኖም። እዚ እንትብሃል ኣብ መፅሓፍ ዘለዉ ናይ ኣንቢብካ ምርዳእ ትሕዝቶታት ምስ ዑደታዊ ደረጃታት ዝብሃሉ ሳይንሳዊ ኣመሃህራ ዝርርብ ብኣንቢብካ ምርዳእ እናተኣሰሰረ ዝቐረበ ትንተና እዩ። ክእለት ዝርርብ ኣብ ናይ ግንዛበ መልመድታት ዝምልከቱ ምኻኖም ንፅፅራዊ ብዝመስል ኣገባብ ተተንቲኑ። ናይዚ መፅናዕቲ ውፅኢት ብምንባብ ኣቢልካ ንክእለት ዝርርብ ኣብ ምስትምሃር ብጣዕሚ ዝንኣሰ ከም ዝኾነን ዝተውሃቦ ጠመተን እውን ምስቶም ካልኦት ክእለታት ቋንቋ ዝተመጣጠነ ኣይኮነን።አብ ኩሎም ናይዚ መፅሓፍ ምዕራፋት ናይ ቅድመ ንባብ ንጥፈታት ብዝግባእ ተግባራዊ ኮይኑ እዩ። ካልኣይ ዑደታዊ ደረጃ ምስትምሃር ዝርርብ ማለት እውን ብዕምቆት ምንባብ ብክፋል ተግባራዊ ዝኾነን ምሉእነት ዘይብሉን እዩ። እቶም ካልኦት ዑደታዊ ደረጃታት ማለት እውን ጉጅላዊ ዘተ፣ ውልቃዊ ገለፃ ምግባርን ሓፈሻዊ ነፀብራቕን ዝብሉ ኣብዚ መፅሓፍ ዝቐረቡ ናይ ኣንቢብካ ምርዳድእ መልመድታት ተግባራዊ ዘይገብር እዩ። ብሓፈሻ ናይ ግንዛበ መልመድታት ንክእለት ዝርርብ ኣብ ምምዕባል ዝንኣሰ ኣስተዋፅኦ ዘለዎም እዮም።ስለዚ መፅሓፍ ትግርኛ ኣብ ምሕታም ዝነጥፉን ብሓላፍነት ዝሰርሕ ትካል ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ካልኦት ውልቀ ኣካላትን ንባብ ሓደ ንክእለት ዝርርብ ንምስትምሃር ዝሕግዝ ዓብዪ ትሕዝቶ ከም ዝኾነ ብምግንዛብ ክሰርሑ፤ ዑደታዊ ደረጃታት ምስትምሃር ዝርርብ ብኣንቢብካ ምርዳእ ብኣግባቡ ክቐርቡን ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ክቐርቡን ግቡእነት ክህልዎምን ኣለዎም ዝብል ርኢቶን ለበዋን መዳለዊት እዚ መፅናዕቲ ተቕርብ ትደሊ።

Description

Keywords

Citation

Endorsement

Review

Supplemented By

Referenced By