ግቡእነት ኣተገባብራ ተኸታታሊተፍትሽ መምህራንን ተምሃሮን ቋንቋ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ፣ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ጅጅቀ፣ ሸውዓተ ሕጉምን የጭላን
Date
2025-12-25
Authors
Journal Title
Journal ISSN
Volume Title
Publisher
Mekelle University
Abstract
ኣጀንዳ እዚ መፅናዕቲ እዙይ ኣብ ግቡእነት ኣተገባብራ ተኸታታሊ ተፍትሽ መምህራንን ተምሃሮን ቋንቋ ትግርኛ 9ይ ክፍሊ ካልአይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ የጭላ፣ ሸውዓተ ሕጉምን ጅጅቀን አብ ምትንታን ዘድሀበ እዩ፡፡ ግቡእነት ተኸታታሊ ተፍትሽ ከመይ ከምዘተግብርዎ፣ ኣብ ኣፈፃፅማ ተኸታታሊ ተፍትሽ ብዓይነቶም ምምዳብ፣ መፍትሒ ሓሳባት እንመን ምዃኖም ምትንታን ዝብሉ ሕቶታት ዝዓለመ እዩ። እዞም ሕቶታት እዚኦም ንምምላስ ዳህሰሳዊ መፅናዕቲ ዝተጠቐመ ኰይኑ አመራርፃ አብያተ ትምህርቲ ድማ ብምኽንታዊ ሜላ ውክልና ሰለስቲአን ዝተሓረያ እንትኾና መምህራን ንኹሉ ኣሳታፊ ብዝኾነ መፅነዓይ ዝተጠቐመሉ እዩ። በዚ መሰረት ንመፅናዕቲ ዝተሓረዩ 10 መምህራንን 100 ተምሃሮን ክውሰድ ተገይሩ። ኣብዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ መፅነዓይ ዝተጠቐመሎም ሜላ መአከቢ መረዳእታ ድማ ነቲ መፅናዕቲ ፅሑፋዊ መሕትትን ትዕዝብትን ብምግባር እዩ። ፅሑፋዊ መሕትት ንመምህራንን ተምሃሮን ዝተዳለወ እንትኸውን ትዕዝብቲ ድማ ንመምህራን ጥራሕ እዩ። እቶም ዝተኣከቡ መረዳእታ ብመጠናውን ዓይነታን ተተንቲኖም ይርከቡ። ኣብዛሓ መምህራን ኣብ ኣተገባብራ ተኸታታሊ ተፍትሽ እኹል ግንዛበ ከምዘየብሎምን ዘይምዕሩይ ዝኾነ አካይዳ ከምዝጥቀሙን ናይ እዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እኹል ስልጠና ዘይረኸቡ ምዃኖም ፣ተመኩሮ ልውውጥ ዘይምግባር፣አብተን ኣብያተ ትምህርቲ ፃዕቒ ስራሕ ምህላው(ክለባት፣ ኮሜቴታት፣ ኣኼባታት) አብ ተኸታታሊ ተፍትሽ እኹል ኣፍልጦ ዘይምህላው፣ዋሕዲ ማተርያላትን መምሃሪ ክፍልታትን፣ፅልዋ ናይ ሕሉፍ ኣተገባብራ ተፍትሽ ከም ምኽንያት ምግላፅ ይከኣል። ካብ እዚ ብምብጋስ መንግስቲ መምህራን እኹል ዝኾነ ሓፀርትን ነዋሕትን ስልጠናታት ክህብ፣ መምህራን እውን ናብ ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ብምኻድ ተመኩሮ ክገብሩ፣ እቲ ቤት ትምህርቲ እውን በዝሒ ስራሕ ብመጠኑ ክንኪ ሸለልተኝነት ወይ ግዜን ጉልበትን ዝንክዩ ናብ ፈተና ተኮር ምዝንባል ምውጋድ ፅባሕ ተረከብቲ ዓዲ ዝኾኑ ተምሃሮ ብምፍራይ ግቡእ ኣተገባብራ ተኸታታሊ ተፍትሽ መምህራን እውን ትኹረት እንተዝህቡን ዝብል ለበዋ ተዋሂቡ።
