ግቡእነት ኣደላልዋ መጠቓለሊ ፈተና ቋንቋ ትግርኛ መምህራን ታሽዓይ ክፍሊ ፉሉይ ትኩረት ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪወልዱ ንጉሰ ኲሓ ብመንፅር ዕላማ ትምህርቲን ደረጃ ክፍልን

Date

2018-02-25

Journal Title

Journal ISSN

Volume Title

Publisher

Mekelle University

Abstract

ዕላማ እዚ መፅናዕቲ እቶም ኣብ 2016ዓም ሰሚስተር መጠቓለሊ ፈተናታት ኣብ ኣደላልዋ ግቡእነት ፈተና እንታይ ከምዝመስል ዝድህስስ እዩ። ኣብዚ መፅናዕቲ ኣርባዕተ መምህራን ታሽዓይ ክፍሊ ዘምህሩ ብመይላ ጠቐላላ ተወሲዶም ። 144 ተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ ብቐሊል ዕፃ ተወሲዶም፣ ናይዚ መፅናዕቲ ዓይነቱ ድማ ዳህሳሳዊ እዩ። ነዚ መፅናዕቲ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ዘድልዩ መሳርሒታት መረዳእታ ዳህሳስ ሰነዳት ፣ ቃለ መሕተት መምህራንን ፅሑፋዊ መሕተት ተምሃሮን እዮም። እቶም ዝተኣከቡ መረዳእታታት እውን ብዓይነታዊን መጠናዊን ሜላ ክትንተኑ ተገይሩ ብዳህሳስ ሰነዳት ፈተና ዝተኣከቡ መረዳእታታት ብሜይላ ገለፃ እንትትንተኑ ፤ ብፅሑፋዊ መሕትት ቃለ መሕትትን ዝርከቡ መረዳእታታት ድማ ብመይላ መጠናዊ ወይ ሓሳባዊ ስልሒት ተተንቲኖም ካብዚ መፅናዕቲ ዝተረከበ ውፅኢት ኣብ ዝተዳለዉ መጠቓለሊ ፈተናታት ንፁር መምርሒ ዘይምክታት ፣ኣብ ቀንዲ ሕቶን መማረፅን በቲ ግቡእ ኣደላልዋ ፈተና ብዘይ ምድላዎም ተፈተንቲ ከደናግሩ ዝግበር ሕቶ ምድላው፤ ከምኡ ውን እቶም ተወሰኽቲ ሕቶታት ኣብ ምረፅን ኣዛምድን ትኹረት ዝግበሩ ምኻኖም ነቶም ካልኦት ዓይነታት ፈተና ብሙልእነት ዘይምክታቶም ውድቀት ስለ ዝረእየካ እዩ ።ብተወሳኪ መምህራን ብበዝሒ ዝተጠቐሙሉ ትሕዝቶ ኣብ ሰዋስውን ስነ ፅሑፍን ስለዝኾነ ተምሃሮ ውስን ክእለት ክሕዙ ዝገብር ምኻኑ።ብመሰረት ዝተረኸበ ውፅኢት ዝተሰናድኡ መጠቓለሊ ፈተናታት ኣብ ኣደላልዋ ግቡእነት ፈተና ክፍተት ምህላው።ከምኡ ውን መምህራን አብ ኣደላልዋ ግቡእነት መጠቓለሊ ፈተና ትሑት ግንዛበ(ሸለልተኝነት) ምህላው፣ኣብ ዝተዳለው መጠቓለሊ ፈተናታት ተምሃሮ ክረኽብዎ ዝግባእ ውፅኢትን ግንዛበን ከምዘይረኸቡን ናይ መምርሒን ኣደላልዋን ክፍተት ከምዝነበሮም መደምደምታ ተዋሂቡ።ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣደላልዋ ግቡእነት መጠቓለሊ ፈተና መምህራን ብቤት ትምህርቲ፣ ወረዳ፣ ብዞባ ይኹን ብክልል መዕበዪ ግንዛበ ንመምሀራን ብትኹረት ክወሃብ እንተዝግበርን ብተወሳኪ ውን መምህራን ባዕላቶም ብብርኪ ክላስተርን ብስርዓተ ትምህርቲን ዝዳለዉ ፈተናታት ግቡኣትን ዘይ ግቡኣትን ምኻኖም ትኹረት ተዋሂቡ እንተዝፍተሹ ፤ዝብሉን ካልኦትን መፍትሒ ሓሳባት ኣብ መወዳእታ

Description

Keywords

Citation

Endorsement

Review

Supplemented By

Referenced By