ብርሃነ ኣበራ2025-12-282025-11-24https://repository.mu.edu.et/handle/123456789/1219እዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ “ዝምድና ኣመሃህራን ኣፈታትናን ክእልት ንባብ መምህራንቋንቋ ትግርኛ ዓሰራይ ክፍሊ” ብዝብል ርእሲ ዝተኻየደ እዩ።ሒዝዎ ዝተልዓለ ቀንዲ ዕላማ ድማ ”ዝምድና ኣመሃህራን ኣፈታትናን ክእለት ንባብ ቋንቋ ትግርኛ ዓሰራይ ክፍሊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ጉዶም እንታይ ከምዝመስል ምፍታሽ እዩ።እቲ መፅናዕቲ ንምክያድ ሰለስተ መአከቢ መረዳእታታት ኣብ ረብሓ ውዒሎም እዮም።ንሳቶም ድማ፤ ፅሑፋዊ መሕትት ንተምሃሮ፣ ትዕዝብቲ ክፍሊ፣ሰነድ ዳህሳስን እዮም።በዞም መሳርሕታት ዝተኣከቡ መረዳእታታት፤ብኮምፒተር ኤስ ፒ ኤስ ኤስ(SPSS)፣ ብዓይነታዊ፣ ብመጠናውን ብገላፂ ስታስቲክስ ምርምርን መሰረት ብምግባር እቶም ቁፅርታት ትርጉም ብዝህብ ብገለፃ ዝተተንተኑ እንትኾኑ፤እቲ ውፅኢት ድማ መምህራን፦ትግበራ ክእለት ንባብ መምህራን ”ልዑል” ብርኪ ምህላው፣ ዝምድና ብዝምልከት፤ ኣብ መንጎ ብርክታት ንባብ 0.780** ክሳብ 0.893**፤ ኣብ መንጎ ፅሑፋዊ መሕትትን ትዕዝብቲ ክፍሊን 0.824ብምዃኑ ኩሎም ካብ 0.80 ክሳብ .1.00 ኣብ ዘሎ ክፍተት(interval) ስለዘለው ጠንካራ (ኣወንታዊ) ዝምድና ኣለዎም።ኣብ መንጎ ኣመሃህራን ኣፈታትናን ድማ፦ኣብ ቃላትን ሓረጋትን፣ ኣብ ምጥማር(ርእሲ) ፅሑፍ፣ ኣብ ምትሕሓዝን ምውሳንን፣ ከምኡ ድማ ኣብ ርድኢት ኣብ ምስትምሃር ይኹን ኣብ ምፍታን ዝድህሰሱ ብምዃኖም ዝምድና ኣለዎም።ይኹን ድኣምበር መምህራን፦ንብርክታት ንባብ ብዕምቔት ዘይምትግባር፣ ዝተቔራረፀ ምስትምሃር ንባብ ምክያድ፣ ሓደ ወይ ክልተ ዓይነት ኣደላልዋ ፈተና ክእለት ንባብ ምጥቃም፣ ብፍላይ መምህራን ካብ ትዕዛዝ ወፃኢ ፈተና ርድኢት ንባብ ከዳልውን ክፍትኑን ድሌትን ተበግሶን ከምዘይብሎም እቲ መፅናዕቲ የምልክት።ካብዚ ዝነቐለ መምህራን ንምስትምሃርን ንምፍታንን ክእለት ንባብ ትኹረት እንተዝህቡ፣ ብዝተፈላለዩ ምሁራን ዝተዳለው ፅሑፋት ብምንባብ ኣብ ትምህርቲ ንባብ ዘለዎም ናይ ግንዛበ ሕፅረት እኹል ፍልጠት ክህልዎም እንተዝግበር፣ ውፅኢታዊ ዝኾነ ምስትምሃርን ምፍታንን ክእለት ንባብ ንምሃብ ይሕግዞም እዩ ዝብሉ መፍትሒ ሓሳባት (ለበዋ) ቀሪቦም እዮም።otherዝምድና ኣመሃህራን ኣፈታትናን ክእለት ንባብ መምህራን ቋንቋ ትግርኛ፤ዓስራይ ክፍሊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ጉደምThesis