ካልኣዩ ገብረመስቀል ተካ2025-12-302017-12-25https://repository.mu.edu.et/handle/123456789/1226ኪናዊ ፅሑፋት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦምዝፀሓፊን ሰሓባይ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ጎልሁ ዝረኣየሎምን ፀሓፍት እዮም። ኣብነት ልበ_ ወለዳት ፣ግጥምታትን ኪናዊ ዛንታት ይጥቀሱ። እዞም ፅሑፋት ካብቲ ሰሓባይ ባህርኦም ብዝነቅለ ከም መስተምሃሪ ዘገልግሉ ድርሳናት ምዃኖም ይእመነሎም። ምምሃር ምስትምሃር ቋንቋ እውን በዞም ድርሳናት እናተሓገዘ እንትኸይድ ኣብ ምምዕባል ክእለታት ቋንቋ ተምሃሮ ዝፃወቶ ግደ ዝለዓለ እዩ። ዕላማ እዚ መፅናዕቲ እውን ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓስራይ ክፍሊ ንምስትምሃር ንባብ ዝቐረቡ ኪናዊ ፅሑፋት ብመንፅር ምምዕባል ክእለታት ንባብ ተምሃሮ ዘለዎም ረብሓ ምፍታሽ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዓስራይ ክፍልታት እናተምሃሩ ካብ ዘለው 600 ተምሃሮ ብዕሎም ሜላ ነቶም 60 ንመርኣያ ብምውሳድ መፅናዕቲ ተኻይድሎም።እቶም ንመርኣያ ዝተወሰዱ 60 ተምሃሮ ኣብ ክልተ ጉጅለታት(ጉጅለ ቃል ኪዳንን ጉጅለ ስምረትን)ብምምዳብ ፈተና ቅድመ ትምህርቲ ክወስዱ ተገይሩ። ብድሕሪኡ ነቶም ጉጅለ ቃልኪዳን በቶም ኪናዊ ፅሑፋት ነቶም ጉጅለ ስምረት ድማ ኪናዊ ዘይኮኑ ፅሑፋት ን3ተ ኣዋርሕ ንባብ ብተግባር ክመሃሩ ተገይሩ። ብምቕፃል ብትዕዝብቲ ክፍሊ፣ተምሃሮ ብዝቐረቡ ፈተናታት ብፅሑፋዊ መሕተትን መረዳእታታት ተኣኪቦም። እዞም መረዳእታታትን ድማ ተምሃሮ ጉጅለ ቃል ኪዳን ካብ ተምሃሮ ጉጅለ ስምረት ብዝበለፀ ኩነታት ናይ ንባብ ክእለታቶም እናማዕበሉ ከም ዝመፅኡ ዘመላኽቱ ነይሮም። ብዚ ድማ ኪናዊ ፅሑፋት አብ ምምዕባል ክእለታት ንባብ ተምሃሮ ዝለዓለ ረብሓ ከም ዘለዎም ኣብ መወዳእታ ተበፂሑ ።ስለዚ ኪኢላታት (ሰብሞያ) ዝኾኑ ስርዓተ ትምህርቲ ፣ኣሳናዳእቲ መፅሓፍቲ ፣ መምህራን... ኣብ ዝተዋፈሩሎም ዓዉድታት ነዚ ኣብ ግምት ብምእታዉ እንተዝነጥፉ ዝሓሽ እዩ።otherግቡእነት ትሕዝቶን ኣቀራርባን ኪናዊ ፅሑፋት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሽራይ ክፍሊ ብመንፅር ምምዕባለ ክእለት ንባብThesis