Repository logo
Communities & Collections
All of DSpace
  • English
  • العربية
  • বাংলা
  • Català
  • Čeština
  • Deutsch
  • Ελληνικά
  • Español
  • Suomi
  • Français
  • Gàidhlig
  • हिंदी
  • Magyar
  • Italiano
  • Қазақ
  • Latviešu
  • Nederlands
  • Polski
  • Português
  • Português do Brasil
  • Srpski (lat)
  • Српски
  • Svenska
  • Türkçe
  • Yкраї́нська
  • Tiếng Việt
Log In
New user? Click here to register.Have you forgotten your password?
  1. Home
  2. Browse by Author

Browsing by Author "ሙሉፀሃይ ደስታ ኣረፋይኔ"

Filter results by typing the first few letters
Now showing 1 - 1 of 1
  • Results Per Page
  • Sort Options
  • Item
    ዝምድና ዕላማታት ትምህርትን ምምሃር ባእታታት ንባብን ትግርኛ ተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ውቕሮ
    (Mekelle University, 2017-12-25) ሙሉፀሃይ ደስታ ኣረፋይኔ
    እዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ሒዝዎ ዝተልዓለ ቀንዲ ዕላማ ዝምድና ዕላማታት ትምህርትን ምምሃር ባእታታት ንባብን ትግርኛ ተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ውቕሮ እንታይ ከም ዝመስል ግምገማ ምክያድ እዩ። ነዚ መፅናዕቲ መረዳእታ ንምሃብ ዝተሓረዩ መርአያታት ድማ ተምሃሮ እዮም። መፅንዒ ኣብ ውቕሮ ካልኣይ ብርኪ ዝመሃሩ ተምሃሮ ካብ ሕድሕድ ክፍሊ ብዘለዎም በዝሒ ተመጣጣኒ ቁፅሪ ብምውሳድ ብምእታው ኣብ ታሽዓይ ክፍሊ ካብ ዝማሃሩ 376 ተምሃሮ እቶም 25% ዝገበረ ተጠቒሙ 94 ተምሃሮ ተሓርዮም እዮም። ካብ ተፀናዕቲ ኣካላት መረዳእታ ንምርእካብ ኣብ ግብሪ ዝወዓሉ መሳርሕታት ፅሑፋዊ መሕትት፣ ፅሑፋዊ ፈተና፣ ጉጅላዊ ምይይጥን ትዕዝብትን ንተምሃሮ እዮም። በዞም መሳርሕታት ዝተኣከቡ መረዳእታታት ድማ ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርትን ካብ ቤት ትምህርቲ ወፃእን ብዛዕባ ዘለዎም ልምዲ ንባብ፣ ድሌት ንባብን ክእለቶም ኣብ ተግባር ናይ ምውዓል ብቕዓቶምን ንምፍታሽ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት ዝተረኸበ ውፅኢት ብሚኢታዊ ተሰሊሑ ዝቐረበ ኾይኑ ኣብ ዕላማታት ትምህርትን ምስትምሃር ባእታታት ንባብን ማእኸል ዘሎ ምዝማድ ንምፍላጥ ማእኸላይ ውፅኢት፣ መደበኛ ፍልልይን ስልሒት ዝምድናን ተሰሊሖም ተተንቲኖም ቀሪቦም እዮም። ውፅኢት እዚ መፅናዕቲ ድማ ኣብዝሓ ተምሃሮ ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጠሮ ውሱን ምችው ኩነታት ፅቡቕ ድሌት ንባብ ዋላ እንተሃለዎም ካብ ቤት ትምህርቲ ወፃኢ ዘድሊ ሓገዝ ስለዘይግበረሎም ልምዲ ንባብ ከምዘየማዕበሉን ዕላምኡ ብዝግባእ ከምዘይተረደኦምን ናይ ወለድን መምህራንን ሓገዝ ከምዘድልን ዝብሉን ካልኦትን በዚ መፅናዕቲ ዘተነፀሩ ርካቦታት እዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ነዞም በዚ መፅናዕቲ ዝተነፀሩ ፀገማት መፅንዒት መፍትሒ ሓሳብ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢላ ዘኣመነትሎም ኣብዚ መፅናዕቲ ተሓቢሮም እዮም።

DSpace software copyright © 2002-2026 LYRASIS

  • Privacy policy
  • End User Agreement
  • Send Feedback
Repository logo COAR Notify