Mekelle University Institutional Repository

Discover scholarly works, research outputs, and institutional publications.

The Mekelle University Institutional Repository is a digital collection of scholarly and research outputs created by the university's faculty, students, and researchers. This repository provides open access to a wide range of materials, including articles, theses, dissertations, conference papers, books, and more."

By making our research available, we aim to

  • Increase the visibility and impact of research conducted at Mekelle University.
  • Promote knowledge sharing and collaboration within the academic community.
  • Preserve and disseminate valuable scholarly works for future generations
 

Recent Submissions

Item
ግቡእነት መልመድታት ኣንቢብካ ምርዳእ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ዝርርብ
(Mekelle University, 2025-01-25) ፅጌ መሰለ
ማራ መፅናዕቲ እዚ መፅናዕቲ ኣብ መፅሓፍ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ትሕዝቶታት ኣንቢብካ ምርዳእ ኣብ ምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎም ግቡእነት እንታይ ከም ዝመስል ይፍትሽ። ቀንዲ ዕላማ እዚ መፅናዕቲ ኣብ መፅሓፍ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ዝተቐመጡ ትሕዝቶታት ኣንቢብካ ምርዳእ ንምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎም ግቡእነት ምፍታሽ እንትኸውን ኣብ ግንዛበ መልመድታት ንክእለት ዝርርብ ዝምልከት ምኳኑ ምፍታሽ ፤ዑደታዊ ደረጃታት ዝርርብ ብትሕዝቶታት ኣንቢብካ ምርዳእ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ምፍታሽ፤ዝምድና ኣንቢብካ ምርዳእን ምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎም ግቡእነት ምፍታሽ ዝብሉ ድማ ዝርዝር ዕለማታት እዮም። ነዚ መፅናዕቲ ንክካየድ መልዐሊ ዝኾነ ሓሳብ ነዚ መምሃሪ መፅሓፍ ተጠቒምካ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ዝትግበረሉ እዋን ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ዘለዉ ናይ ኣንቢብካ ምርዳእ መልመድታት ንምምዕባልን ምስትምሃርን ክእለት ዝርርብ ሓገዝቲ ዘይኾንሉ ትዕዝብቲታት ብምህላዎም እዩ። ኣብዚ መፅናዕቲ ቀንዲ ተፀናዒ እቲ መፅሓፍ ባዕሉ እዩ። ብምሉእነት ሰነድ ፍተሻ ምስ ሳይንሳዊ ሓቅታት ዝተኣሰሰረ ትንተና ዘለዎ እዩ። ሰነድ ፍተሻ ሜላ መአከቢ መረዳእታ ኮይኑ እዚ ተፀናዕን ኣገባብ ኣተኣኻኽባ መረዳእታን ዕሉም ብዝኾነ ኣገባብ ዝተሓረዩ እዮም። እዚ መፅናዕቲ ዓይነታዊ እዩ። ዝበዝሑ መረዳእታታት ዓይነታዊ ብዝኾነ ኣገባብ እዮም ተተንቲኖም። እዚ እንትብሃል ኣብ መፅሓፍ ዘለዉ ናይ ኣንቢብካ ምርዳእ ትሕዝቶታት ምስ ዑደታዊ ደረጃታት ዝብሃሉ ሳይንሳዊ ኣመሃህራ ዝርርብ ብኣንቢብካ ምርዳእ እናተኣሰሰረ ዝቐረበ ትንተና እዩ። ክእለት ዝርርብ ኣብ ናይ ግንዛበ መልመድታት ዝምልከቱ ምኻኖም ንፅፅራዊ ብዝመስል ኣገባብ ተተንቲኑ። ናይዚ መፅናዕቲ ውፅኢት ብምንባብ ኣቢልካ ንክእለት ዝርርብ ኣብ ምስትምሃር ብጣዕሚ ዝንኣሰ ከም ዝኾነን ዝተውሃቦ ጠመተን እውን ምስቶም ካልኦት ክእለታት ቋንቋ ዝተመጣጠነ ኣይኮነን።አብ ኩሎም ናይዚ መፅሓፍ ምዕራፋት ናይ ቅድመ ንባብ ንጥፈታት ብዝግባእ ተግባራዊ ኮይኑ እዩ። ካልኣይ ዑደታዊ ደረጃ ምስትምሃር ዝርርብ ማለት እውን ብዕምቆት ምንባብ ብክፋል ተግባራዊ ዝኾነን ምሉእነት ዘይብሉን እዩ። እቶም ካልኦት ዑደታዊ ደረጃታት ማለት እውን ጉጅላዊ ዘተ፣ ውልቃዊ ገለፃ ምግባርን ሓፈሻዊ ነፀብራቕን ዝብሉ ኣብዚ መፅሓፍ ዝቐረቡ ናይ ኣንቢብካ ምርዳድእ መልመድታት ተግባራዊ ዘይገብር እዩ። ብሓፈሻ ናይ ግንዛበ መልመድታት ንክእለት ዝርርብ ኣብ ምምዕባል ዝንኣሰ ኣስተዋፅኦ ዘለዎም እዮም።ስለዚ መፅሓፍ ትግርኛ ኣብ ምሕታም ዝነጥፉን ብሓላፍነት ዝሰርሕ ትካል ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ካልኦት ውልቀ ኣካላትን ንባብ ሓደ ንክእለት ዝርርብ ንምስትምሃር ዝሕግዝ ዓብዪ ትሕዝቶ ከም ዝኾነ ብምግንዛብ ክሰርሑ፤ ዑደታዊ ደረጃታት ምስትምሃር ዝርርብ ብኣንቢብካ ምርዳእ ብኣግባቡ ክቐርቡን ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ክቐርቡን ግቡእነት ክህልዎምን ኣለዎም ዝብል ርኢቶን ለበዋን መዳለዊት እዚ መፅናዕቲ ተቕርብ ትደሊ።
Item
ግቡእነት ምንባባት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ንባብ
(Mekelle University, 2025-01-25) ፅገ ገብረገርግስ ገብረማርያም
ማራ መፅናዕቲ እዚ መፅናዕቲ ግቡእነት ምምባባት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ምንባብ ዝብል ርእሲ ሒዙ ዝተበገሰ እዩ። በዚ መሰረት ነዚ ዝቀረበ ርእሲ መፅናዕቲ ንምዕዋት ድሕረባይታ መፅናዕቲ ብዝብል ርእሲዝተፈላለዩ ምሁራን ዝብልዎ ሓሳብ ብምውሳድ ገለፃ ተገይሩሉ እዩ። እዚ ርእሲ ብዋናነት ሰለስተ ቀንዲ ዕላማታት ንምዕዋት ማለት እውን ምንባባት ኣብ ምዕባለ ክእለት ንባብ ዘለዎ ምችውን እንታይ ይመስል ምንባባት ምስተሓንፀፁ ዕላማታት ዘለዎም ዝምድናን ትሕዝቶታትን። ምንባባት ንምዕባለ ክእለት ንባብ ዘለዎም ሰሓባይነት ከመይ ይረአ ዝብሉ ሒዙ ዝተልዓለ እዩ። ነዞም ቀንዲ ዕላማታት መልሲ ንምርካብ ድማ ዳህሳስ ሰነድ ከም መሳርሒ መአከቢ መረዳእታ ዝተጠቐመ እንትኸውን መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ዘለዉዎ ትሕዝቶታት ምንባብ ዝርዝር መዐቀንታት ሰደቓ ብምድላው ዳህሳስ ሰነድ ተኻይዱ። እዚ መፅናዕቲ ዓይነታዊ ሜላ መአከቢ መሳርሒ ዝኣከቦም መረዳእታታት ብመንፅር ዝርዝር ዕላማታቱ ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘድሀቡ ሓሳባትናብሓደብምውህላል ዓይነታዊ ሜላ ትንተና ብምጥቃም ብዝርዝርሓሳባዊገለፃ ተተንቲኖም እዮም፡፡ ከም ውፅኢት ዝተረኸበ ቀንዲ ርካቦ እንትርአ ድማ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ዘለዉ ምንባባት ኣብቲ ደረጃ ክፍሊ ንዝምሃሩ ተምሃሮ ክእለት ንባብ ንምዕባል ዘለዎም ምቹውነት ዝተሓተ ከም ዝኾነ፤ እዞም ትሕዝቶታት ምንባብ ተምሃሮ ክምሃሩዎም ምስ ዝተሓንፀፁ ዕላማታት ዘለዎም ዝምድና ፀገማት ከም ዘለዉዎ ብፍላይ ዝርዝርን ክዕቀኑ ዝኽእሉ ዕላማታት ኣብ ምቕማጥ ሕፅረታት ከም ዘለዉ፤ ከምኡውን እዞም ምንባባት እዚኦም ንምዕባለ ክእለት ንባብ ዘለዎም ሰሓባይነት ክንድቲ ዝድለ ሰሓባይ ከም ዘይኮነን ዘለዎም ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ኣብ ተምሃሮ ናይ ምስልቻው ኩነታት ከምዝፈጥርን ነቲ ዝተደለየ ክእለት ቋንቋ ኣዘውቲሮም ናይ ምልምማድ ዕድል ንክንእስ ፅልዋ ከም ዘሕደረ ዝብሉ ወሰንቲ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም።
Item
ዕሊማ ምእታውን ግቡእነትኣቀራርባን ስነቃሊት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዒይ ክፍሉ
(Mekelle University, 2025-01-25) ፀጋ መኮነን ሃይለ
ማራ ሓሳብ እዙ መፅናዕቲ ኣብ ዕሊማ ምእታውን ግቡእነት ኣቀራርባን ስነቃሊት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዒይ ከፍሉ ኮይኑ ብዋናነት ኣብዙ ዜኣተዉ ስነቃሊት ንምንታይ ዕሊማ ከምዜኣተዉን ግቡእነት ኣቃራርበኦም እንታይ ከምዜመስሌ ብምፍታሽ መፅናዕቲ ተኻይደ እዩ፡፡ እዙ መፅናዕቲ ንምክያዴ መበገሲ ዜኾነ ሓሳብ ኣብ ከይዱ ምምሃር ምስትምሃር ቋንቋ ትግርኛ ንምምሃር ዜኣተዉ ስነቃሊት ትኹረት አይግበረልምን ብዕሊማ ኣይኣተዉን ዜብሌ ሓሳብ ስሇ ዜቐርብን ነዙ ንምርግጋፅ ኣብ ተግባር ዜወዒሇ ዕሊማን ግቡእነት አቀራርብኡን ንምትንታን እዩ ፡፡ሜሊ ኣፀናነዒ ዴማ ኣገዯስቲ ሕቶታት ዜምሌሱ ካብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዲህሳስንዕምቆታዊ ንባብ መረዲእታ ተኣኪቦም እዮም ፡፡ ዜተኣከቡ መረዲታታት ብሜሊ መጠናውን ዒይነታውን ትንተና ተተንቲኖም ቀሪቦም እዮም ፡፡ ውፅኢት ናይዙ መፅናዕቲ ዴማ ዜተኻተቱ ዒይነታት ስነቃሊት መጠኖም ትሑት፣ብዒይነቶምን ብበዜሖምን዗ይመጣጠኑ ምኻን፣ንፁር ዕሊማ ዗ይምህሊዎም ፣ግቡእነት ኣቀራርበኦም ትሑት፣ትሕዜቶንምምሃር ዜኣተው ስነቃሊት ኣብ ስነሌሳን ምኻኑ ተረጋጊፁ እዩ፡፡ ኣብ መወዲእታ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዜኣተው ስነቃሊት በዜሖምን ዒይነቶምን ተመጣጠንቲ ክኾኑ ይግባእ ። ብፍሊይ ኣብ ምዴሊው መፅሓፍ ተምሃራይ እትሳተፈ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ስነቃሊት ዕሊመኦም ተነፂሩ፣ክእሇታትንባእታታትን ቋንቋ መሰረት ገይሩ ንክዲሇው ንዜምሌከቶም ኣካሊት ተሓቢሩ እዩ፡፡
Item
ግቡእነት መምርሕታት መፅሓፌ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዒይ ክፌሉ ብመንፅር ዕሊማን ትሕዜቶ ስነ ፅሑፌ ንምስትምሃር ቋንቋን
(Mekelle University, 2025-09-25) ሰልሞን ፌፁምብርሃን ገብሩ
ማራ መፅናዕቲ ዕሊማ እዙ መፅናዕቲ ኣብ መፅሓፌ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዒይ ክፌሉ ዜርከቡ መምርሕታት ስነ-ፅሑፌ ንምስትምሃር ቋንቋን ግቡእነቶም ብመንፅር ዕሇማን ትሕዜቶ ስነ-ፅሑፌ ንምስትምሃር ቋንቋን ምፌታሽ ነይሩ። እዙ ንምትግባር ኣብቲ መፅሓፌ ዗ሇዉ መምርሕታት ስነ-ፅሑፌ ንምስትምሃር ቋንቋ ኩልም ብዕለም ሜሊ ተፀናዕቲ ኮይኖም፤ መረዲእታ ተኣኪቡልም። በዙ መሰረት ነዝም መምርሕታት ንምግምጋም የኽእለ ብዜተባሃለ ዒሰርተ መጥሇሉ ነጥብታት እቶም መምርሕታት ተገምጊሞም። ከም ውፅኢት ዴማ እቶም መምርሕታት መብዚሕትኦም ብዕሊማን ትሕዜቶ ስነ-ፅሑፌ ንምስትምሃር ቋንቋን ግቡኣት ኮይኖም ተረኺቦም። ኣብ ገሉኦም መምርሕታት ዴማ ንፁርነት ዗ይምህሊው፣ መምርሕታት ዗ይምህሊው፣ ብተምሃሮን መምህራንን ዜስርሑ ዕዮታት ዗ይምንፃር፣ ካብቲ ስነ-ፅሑፌ ዜተወሰዯን ንምንታይ ከም ዜቐረበን ዜገሌፅ መነፀርታ ዗ይምሓዜን ተርእዮታት ተራእዮም። በዙ ዴማ መምርሕታት ብዜምሌከቶም ኣካሊት እንትዲሇዉ ንፁራትን ንምስትምሃር ቋንቋ ብዜጥዕምን ኣገባብ ክዲሇዉ ኣሇዎም ዜብሌ ሇበዋ ተዋሂቡ።