Repository logo
Communities & Collections
All of DSpace
  • English
  • العربية
  • বাংলা
  • Català
  • Čeština
  • Deutsch
  • Ελληνικά
  • Español
  • Suomi
  • Français
  • Gàidhlig
  • हिंदी
  • Magyar
  • Italiano
  • Қазақ
  • Latviešu
  • Nederlands
  • Polski
  • Português
  • Português do Brasil
  • Srpski (lat)
  • Српски
  • Svenska
  • Türkçe
  • Yкраї́нська
  • Tiếng Việt
Log In
New user? Click here to register.Have you forgotten your password?
  1. Home
  2. Browse by Author

Browsing by Author "ኢሳያስ ገብረእዝጊኣብሄር ሃይለስላሴ"

Filter results by typing the first few letters
Now showing 1 - 1 of 1
  • Results Per Page
  • Sort Options
  • No Thumbnail Available
    Item
    ግቡእነት ትሕዝቶን ኣቀራርባን ሰዋስው መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓስራይ ክፍሊ
    (Mekelle University, 2025-01-28) ኢሳያስ ገብረእዝጊኣብሄር ሃይለስላሴ
    ማራ መፅናዕቲ እዚ መፅናዕቲኣብ መፅሓፍ ትግርኛ ንተምሃራይ ዓስራይ ክፍሊ ዘሎ ትምህርቲ ስዋስውብ ትሕዝትኡን ኣቀራርብኡን ንዘለዎ ግቡእነት ዝፍትሽ እዩ።ንድፊ እዚ መፅናዕቲ ኣብ ገላፂ መፅናዕቲዝምደብ እዩ። ኣብ’ዚ መፅናዕቲ ዝሳተፉ መርኣያታት ንምሕራይ እቶም ኣብ’ቲ ደረጃ ክፍሊ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር መፅሓፍ ብቀንዱ ብዕሉም ኣወሳስዳ መርኣያ ብምግባር መምሃሪ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓስራይ ክፍሊ ንምርኣይ መፅናዓይ ወሲኑ ይርከብ። ብተወሳኺ ድማ መምሃሪ መፅሓፍ ትግርኛ ዓሽራይፐ ክፍሊ ንምድህሳስ ተኻኢሉ እዩ። ሜላ መአከቢ መረዳእታ እዚ መፅናዕቲ ድማ ዳህሳስ ሰነድን ዝካተተ እዩ። ካብ ዳህሳስ ሰነድ ዝተኣከበ መረዳእታ ብዓይነታዊ መተንተኒ መረዳእታ ኣቢሉ ነቲ መረዳእታ ብገለፃ፣ ብቃላትን ምሉእ ሓሳባትን ምግላፅ ተመራፂ እዩ። እቲ መፅናዕቲ ካብ ዝቐረቡ መሰረታዊ ሕቶታትን ኣብ’ቲ ዓውዲ ዝነበሩ ምሁራት ዘቕረብዎ ክልሰ-ሓሳባትን መሰረት ብምግባር ብዶኩመንት ትንተና መረዳእታ ተኣኪቡ። ዝተኣከበ መረዳእታ ብዓይነታዊ ኣገባብ ተጠቒምካ እዩ ተተንቲኑ። ውፅኢት እዚ መፅናዕቲ ከም ዘመላኽቶ ኣብ መምሃሪ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓስራይ ክፍሊ ኣብቲ መፅሓፍ ትምህርቲ ዘሎ ትሕዝቶ ሰዋስው ብኽልቲኡ ኣገባብ ብዲዱክቲቭን ኢንዳክቲቭን ኣገባብ ከምዝቐረበ ይሕብሩ። ኢንዱክቲቭ ኣቀራርባ ብመልክዕ ሕቶታት ጥራይ ዝቐርቡ ልምምዳት ከምዘለዉ ኣርእዩ እዩ-- መብርሂ ዘድልዮም ሕቶታት። ብመንገዲ -ውፅኢት ተኮርነትን መስርሕ- ተኮርነትን ዝቐርብ ትሕዝቶ ሰዋስው ኣብ መምሃሪ መፅሓፍ ትምህርቲ ተኻቲቱ ኣሎ። እዚ ድማ ተማሃሮ ነቲ ሰዋስዋዊ ትሕዝቶ ኣብ ዓውደ- ፅሑፍን መስተጋብርን ኣብ ምፍታሽ ዘለዎም ተራ ድሩት ምዃኑ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ዕላማ ዝገበረ መምሃሪ መፅሓፍ ብመንፅር ቅደም ተኸተልን ቀፃልነትን እዩ ተገምጊሙ። ብመንጽር ቅደም ተኸተል፡ ውሑዳት ትምህርትታት ሰዋስው ብተኸታታሊ ተሰሪዖም ኣለዉ። ብኣንፃሩ ኣብ መፅሓፍ ትምህርቲ ዘሎ ትሕዝቶ ሰዋስው ብመጠኑ ደረጃ ዝሓዘ እዩ። ብሓፈሻ ብመንፅር ኣቀራርባን ኣወዳድባን ገለ ጥንካረታትን ድኽመታትን ከምዘለዉ እቲ መምሃሪ መፅሓፍ ይሕብር።

DSpace software copyright © 2002-2025 LYRASIS

  • Privacy policy
  • End User Agreement
  • Send Feedback
Repository logo COAR Notify