Repository logo

ኣገባባት ዝንታወን ነገረ መበቈላዊ ትሕዝቶታትን ኣብ ገድለ ኣዳምን ገድለ ኣብርሃምን

dc.contributor.authorሃፍተ ንጉሥ ገብረገርግስ
dc.date.accessioned2025-06-18T21:08:49Z
dc.date.issued2025-06-21
dc.description.abstractድለ ኣዳምን ገድለ ኣብርሃምን፥ ተጋድሎኣዊ ሕይወት ኣዳምን ኣብርሃምን ዘዘንትዉ፣ ነገረ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝነግሩ፣ ህላወን ሕልፈትን ዓለምን ተፈጥሮኣን ዘረድኡ፣ ኣካል ብሉያት ሥነ ጽሑፍ ግእዝ እዮም። እዚ መጽናዕቲ ድማ፦ ኣብዞም ክልተ ገድልታት ንዝህልዉ መግለፅታት፥ ኣገባባት ዝንታወን ነገረ መበቈላዊ ትሕዝቶታትን ብምትንታን፦ ገድል ማኅደር ኣገባባት ዝንታወን ነገረ መበቈላዊ ትሕዝቶታትን ንዝዀነሎም ትሕዝቶታት ንምንጻር ዝዓለመ እዩ። ዓይነቱ፥ ዳህሳስ ሰነድ ብምክያድ ገለፃ ትሕዝቶ ስለ ዘቕርብ ዓይነታዊ መጽናዕቲ እዩ። ዝረኣዩ መግለፅታት፣ ኣገባባት ዝንታወን ነገረ መበቈላዊ ትሕዝቶታትን ንምትንታን፦ ገለፃዊ፣ ጽሑፋውን ፍካረኣውን ሜላታት ትንተና ኣብ ተግባር ውዒሎም። ኣገባባት ዝንታወ ንምሕባር እኒ Genette (1980 [1972])፣ Bonheim (1982)፣ Chatman (1978)፣ Toolan (2001)ን ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ሊቃውንትን ዘሰጉምዎም ክልስ ሓሳባዊ ኣምራት ተጠቒሙ። ኣብ ንነገረ መበቈላዊ ትሕዝቶታት ንምድህሳስ በዓል Frye (1957)፣ Jung (1959)ን ኣብዚ ዓውዲ ንናይ ዝነጥፉ ምሁራንን ሓሳባት ወሲዱ። ብመሠረት እዚ፥ ኣብ ገድለ ኣዳምን ገድለ ኣብርሃምን ዘለዉ፦ ገድላዊ ዛንታታት፥ ትዕይንትን ኣኅጽሮትን ብዝብሉ መግለፅታት ኣገባባት ዝንታወ፤ ነገረ መበቈላዊ ትሕዝቶታት ድማ፦ ልደት፣ ተቀብኦ፣ ቀቢጸ ተስፋን ተነጽሎን ዝብሉ መግለፅታት ዝዝንተዉ ኰይኖም ተረኺቦም። ገድላዊ ሕይወት ተጋዳሊ፣ ተኣምራዊ ኣገባብ፣ ትእምርታዊ ኣገባብ፣ ተጋዳሊ ከም ጅግና፣ ኣሥተምህሮን ምሥራሕ ተኣምርን ዝብሉ ዛዕባታት እውን ገድል ማኅደር ኣገባባት ዝንታወን ነገረ መበቈላዊ ትሕዝቶታትን ምዃኖም ንምርግጋጽ ተፈቲኑ። ሜላታት ኣገባባት ዝንታወን ነገረ መበቈላዊ ትሕዝቶታትን ኣብ ገድለ ኣዳምን ገድለ ኣብርሃምን ኣብ ተግባር ዝወዓሉ ምዃኖም ብግዲኡ ገድልታት ከም ሥነ ጽሑፍ ክራኣዩ ከምዝኽእሉ ርካቦ እዚ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣጠቓቕማ ቋንቋ፣ ኣገባብ ትሕዝቶ፣ ኣወዳድዳ ታሪኽ፣ እምነት ዝተቐረጸሉ መንገዲ፣ ምትእስሳር ምድራዊ ሕይወትን ሰማያዊ ዕጫን እንታይ ከምዝመስል ካልኦት ተመራመርቲ ትኹረት ሂቦም ከጽንዕዎ ተዝኽእሉ፥ ብሉያት ሥነ ጽሑፋት ንጽጽራዊ መጽናዕቲ ንክጠናኸር ይሕግዙ፤ ካልኦት ተመራመርቲ ነዚ ኣድህቦ ንክስዕቡ ድማ መጽንዓይ ይላቦ።
dc.identifier.urihttps://repository.mu.edu.et/handle/123456789/600
dc.identifier.urihttps://doi.org/10.82589/muir-458
dc.identifier.urihttps://doi.org/10.82589/muir-458
dc.identifier.urihttps://doi.org/10.82589/muir-458
dc.identifier.urihttps://doi.org/10.82589/muir-458
dc.identifier.urihttps://doi.org/10.82589/muir-458
dc.language.isoen
dc.publisherMekelle University
dc.titleኣገባባት ዝንታወን ነገረ መበቈላዊ ትሕዝቶታትን ኣብ ገድለ ኣዳምን ገድለ ኣብርሃምን
dc.typeThesis

Files

Original bundle

Now showing 1 - 1 of 1
Loading...
Thumbnail Image
Name:
Hafte Nigus Dissertation_Doctoral thesis_Tigrigna_June2025.pdf
Size:
1.81 MB
Format:
Adobe Portable Document Format

License bundle

Now showing 1 - 1 of 1
Loading...
Thumbnail Image
Name:
license.txt
Size:
1.71 KB
Format:
Item-specific license agreed to upon submission
Description: