Repository logo

ዝምድና ዕላማታት ትምህርትን ምምሃር ባእታታት ንባብን ትግርኛ ተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ውቕሮ

dc.contributor.authorሙሉፀሃይ ደስታ ኣረፋይኔ
dc.date.accessioned2025-12-30T09:17:19Z
dc.date.issued2017-12-25
dc.description.abstractእዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ሒዝዎ ዝተልዓለ ቀንዲ ዕላማ ዝምድና ዕላማታት ትምህርትን ምምሃር ባእታታት ንባብን ትግርኛ ተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ውቕሮ እንታይ ከም ዝመስል ግምገማ ምክያድ እዩ። ነዚ መፅናዕቲ መረዳእታ ንምሃብ ዝተሓረዩ መርአያታት ድማ ተምሃሮ እዮም። መፅንዒ ኣብ ውቕሮ ካልኣይ ብርኪ ዝመሃሩ ተምሃሮ ካብ ሕድሕድ ክፍሊ ብዘለዎም በዝሒ ተመጣጣኒ ቁፅሪ ብምውሳድ ብምእታው ኣብ ታሽዓይ ክፍሊ ካብ ዝማሃሩ 376 ተምሃሮ እቶም 25% ዝገበረ ተጠቒሙ 94 ተምሃሮ ተሓርዮም እዮም። ካብ ተፀናዕቲ ኣካላት መረዳእታ ንምርእካብ ኣብ ግብሪ ዝወዓሉ መሳርሕታት ፅሑፋዊ መሕትት፣ ፅሑፋዊ ፈተና፣ ጉጅላዊ ምይይጥን ትዕዝብትን ንተምሃሮ እዮም። በዞም መሳርሕታት ዝተኣከቡ መረዳእታታት ድማ ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርትን ካብ ቤት ትምህርቲ ወፃእን ብዛዕባ ዘለዎም ልምዲ ንባብ፣ ድሌት ንባብን ክእለቶም ኣብ ተግባር ናይ ምውዓል ብቕዓቶምን ንምፍታሽ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት ዝተረኸበ ውፅኢት ብሚኢታዊ ተሰሊሑ ዝቐረበ ኾይኑ ኣብ ዕላማታት ትምህርትን ምስትምሃር ባእታታት ንባብን ማእኸል ዘሎ ምዝማድ ንምፍላጥ ማእኸላይ ውፅኢት፣ መደበኛ ፍልልይን ስልሒት ዝምድናን ተሰሊሖም ተተንቲኖም ቀሪቦም እዮም። ውፅኢት እዚ መፅናዕቲ ድማ ኣብዝሓ ተምሃሮ ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጠሮ ውሱን ምችው ኩነታት ፅቡቕ ድሌት ንባብ ዋላ እንተሃለዎም ካብ ቤት ትምህርቲ ወፃኢ ዘድሊ ሓገዝ ስለዘይግበረሎም ልምዲ ንባብ ከምዘየማዕበሉን ዕላምኡ ብዝግባእ ከምዘይተረደኦምን ናይ ወለድን መምህራንን ሓገዝ ከምዘድልን ዝብሉን ካልኦትን በዚ መፅናዕቲ ዘተነፀሩ ርካቦታት እዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ነዞም በዚ መፅናዕቲ ዝተነፀሩ ፀገማት መፅንዒት መፍትሒ ሓሳብ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢላ ዘኣመነትሎም ኣብዚ መፅናዕቲ ተሓቢሮም እዮም።
dc.identifier.urihttps://repository.mu.edu.et/handle/123456789/1224
dc.language.isoother
dc.publisherMekelle University
dc.titleዝምድና ዕላማታት ትምህርትን ምምሃር ባእታታት ንባብን ትግርኛ ተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ውቕሮ
dc.typeThesis

Files

Original bundle

Now showing 1 - 1 of 1
Loading...
Thumbnail Image
Name:
MULUTSEHAY DESTA AREFAYNE.pdf
Size:
405.9 KB
Format:
Adobe Portable Document Format

License bundle

Now showing 1 - 1 of 1
Loading...
Thumbnail Image
Name:
license.txt
Size:
1.71 KB
Format:
Item-specific license agreed to upon submission
Description: