ፈተሻ ግቡእነት ኣደላልዋ ፈተናታት ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝተመረፁ ሰለስተ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ (ጠመተ ካብ 2009-2011 ዓ.ም.)
| dc.contributor.author | ኣለም ደስታ | |
| dc.date.accessioned | 2025-12-27T23:30:30Z | |
| dc.date.issued | 2025-11-24 | |
| dc.description.abstract | ዕላማ እዚ መፅናዕቲ፣ ሕቶታት ፈተና ትግርኛ ምስ ኣቀራርባ ትምህርቲ መሳርሒ ትምህርቲ ትግርኛ 9ይ ክፍሊን ድሕረ ባይታ ፍልጠት ቃላት ተምሃሮን ዘለዎም ዝምድና ምግምጋም እዩ። ነዚ ንምዕዋት መረዳእታታት ብተፍትሽ ሰነድ ተኣኪቦም እዮም። ተፍትሽ ዝተገበረሎም ሰነዳት’ውን ኣብ መሳርሒ ትምህርቲ ትግርኛ 9ይ ክፍሊ ዝርከቡ ኣቀራርባ ትምህርቲን ኣብ ፈተና 9ይ ክፍሊ ዝርከቡ ሕቶታት ፍታሕን ኣቀራርበኦም ተዳህሲሶም እዮም። እዞም ሕቶታት ካብ 2009 ክሳብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ዝቐረቡ ፈተናታት ቋንቋ ትግርኛ ዝርከቡ እዮም። እዚ ዝኾነሉ ምኸንያት ድማ ርእሲ እዚ መፅናዕቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ተሓርዩ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት (ኮሮናን ኩናትን) ክሳብ ሐዚ እናተጓተተ ስለዝመፀ እዩ። ኣብ ሕቶታትን ትምህርቲን ትግርኛ 9ይ ክፍሊ ዘለዎም ዝምድና ንምግምጋም ዓይነታዊ (ብቃላትን ምሉእ ሓሳባትን) መይላ ኣተናትና መረዳእታ ተጠቒሙ ይርከብ። ካብዞም መረዳእታታት ዝተረኸበ ውፅኢት፦ ኣቀራርባ ትምህርቲ መሳርሒ ትምህርቲ ትግርኛ 9ይ ክፍሊ፣ ኣብ ንባብ፣ ኣብ ምሉእ ሓሳብ ዓውዳዊ ፍታሕ፣ ብሂላዊ ፍታሕ ተገይሮም ዝቐረቡ እዮም። ኣቀራርባ ሕቶታት ፍታሕ ቃላት ትግርኛ 9ይ ክፍሊ ከዓ ካብ ንባብ ዝወፁ ብመሰረት ንባብ ዝምለሱ፣ ብሂላዊ ፍታሕን ጥረ ፍታሕን ይርከቡ። በዚ መሰረት ኣብ ፈተና ዝቐርቡ ሕቶታት እቶም ካብ ንባብ ዝወፁ ብመሰረት ንባብ ዝትርጐሙን ብሂላዊ ፍታሕን ምስ ኣቀራርባ ትምህርቲ ቃላት ይዛመዱ። ኣብ ፈተና ዝቐርቡ ሕቶታት ጥረ ፍታሕ ቃላት ግና ምስ ኣቀራርባ ትምህርቲ ቃላት መሳርሒ ትምህርቲ ትግርኛ 9ይ ክፍሊ ዝምድና ኣይብሎምን። እዞም ሕቶታት ስነልሳናዊ ድሕረ ባይታ ተምሃሮ ዘገናዘቡ’ውን ኣይኰኑን። ብተወሳኺ ሕቶታት ብመዐቀኒታት ፈተና ቅቡላት ኣይኰኑን። በዚ መሰረት፣ ኣብ ፈተና ዝቐርቡ ሕቶታት ፍታሕ ቃላት ተቐባልነት ኣይብሎምን። “ኣብ ፈተና ትግርኛ 9ይ ክፍሊ ዝቐርቡ ሕቶታት ኣቀራርባ ትምህርቲን ድሕረ ባይታ ፍልጠት ተምሃሮን ዘገናዘቡ ተገይሮም እንተዝቐርቡ” ዝብል መፍትሒ ሓሳብ ተቐሚጡ ይርከብ። | |
| dc.identifier.uri | https://repository.mu.edu.et/handle/123456789/1215 | |
| dc.language.iso | other | |
| dc.publisher | Mekelle University | |
| dc.title | ፈተሻ ግቡእነት ኣደላልዋ ፈተናታት ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝተመረፁ ሰለስተ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ (ጠመተ ካብ 2009-2011 ዓ.ም.) | |
| dc.type | Thesis |