ግቡእነት ትሕዝቶን ኣቀራርባን ሰዋስው መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓስራይ ክፍሊ

dc.contributor.authorኢሳያስ ገብረእዝጊኣብሄር ሃይለስላሴ
dc.date.accessioned2025-04-25T06:30:02Z
dc.date.issued2025-01-28
dc.description.abstractማራ መፅናዕቲ እዚ መፅናዕቲኣብ መፅሓፍ ትግርኛ ንተምሃራይ ዓስራይ ክፍሊ ዘሎ ትምህርቲ ስዋስውብ ትሕዝትኡን ኣቀራርብኡን ንዘለዎ ግቡእነት ዝፍትሽ እዩ።ንድፊ እዚ መፅናዕቲ ኣብ ገላፂ መፅናዕቲዝምደብ እዩ። ኣብ’ዚ መፅናዕቲ ዝሳተፉ መርኣያታት ንምሕራይ እቶም ኣብ’ቲ ደረጃ ክፍሊ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር መፅሓፍ ብቀንዱ ብዕሉም ኣወሳስዳ መርኣያ ብምግባር መምሃሪ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓስራይ ክፍሊ ንምርኣይ መፅናዓይ ወሲኑ ይርከብ። ብተወሳኺ ድማ መምሃሪ መፅሓፍ ትግርኛ ዓሽራይፐ ክፍሊ ንምድህሳስ ተኻኢሉ እዩ። ሜላ መአከቢ መረዳእታ እዚ መፅናዕቲ ድማ ዳህሳስ ሰነድን ዝካተተ እዩ። ካብ ዳህሳስ ሰነድ ዝተኣከበ መረዳእታ ብዓይነታዊ መተንተኒ መረዳእታ ኣቢሉ ነቲ መረዳእታ ብገለፃ፣ ብቃላትን ምሉእ ሓሳባትን ምግላፅ ተመራፂ እዩ። እቲ መፅናዕቲ ካብ ዝቐረቡ መሰረታዊ ሕቶታትን ኣብ’ቲ ዓውዲ ዝነበሩ ምሁራት ዘቕረብዎ ክልሰ-ሓሳባትን መሰረት ብምግባር ብዶኩመንት ትንተና መረዳእታ ተኣኪቡ። ዝተኣከበ መረዳእታ ብዓይነታዊ ኣገባብ ተጠቒምካ እዩ ተተንቲኑ። ውፅኢት እዚ መፅናዕቲ ከም ዘመላኽቶ ኣብ መምሃሪ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓስራይ ክፍሊ ኣብቲ መፅሓፍ ትምህርቲ ዘሎ ትሕዝቶ ሰዋስው ብኽልቲኡ ኣገባብ ብዲዱክቲቭን ኢንዳክቲቭን ኣገባብ ከምዝቐረበ ይሕብሩ። ኢንዱክቲቭ ኣቀራርባ ብመልክዕ ሕቶታት ጥራይ ዝቐርቡ ልምምዳት ከምዘለዉ ኣርእዩ እዩ-- መብርሂ ዘድልዮም ሕቶታት። ብመንገዲ -ውፅኢት ተኮርነትን መስርሕ- ተኮርነትን ዝቐርብ ትሕዝቶ ሰዋስው ኣብ መምሃሪ መፅሓፍ ትምህርቲ ተኻቲቱ ኣሎ። እዚ ድማ ተማሃሮ ነቲ ሰዋስዋዊ ትሕዝቶ ኣብ ዓውደ- ፅሑፍን መስተጋብርን ኣብ ምፍታሽ ዘለዎም ተራ ድሩት ምዃኑ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ዕላማ ዝገበረ መምሃሪ መፅሓፍ ብመንፅር ቅደም ተኸተልን ቀፃልነትን እዩ ተገምጊሙ። ብመንጽር ቅደም ተኸተል፡ ውሑዳት ትምህርትታት ሰዋስው ብተኸታታሊ ተሰሪዖም ኣለዉ። ብኣንፃሩ ኣብ መፅሓፍ ትምህርቲ ዘሎ ትሕዝቶ ሰዋስው ብመጠኑ ደረጃ ዝሓዘ እዩ። ብሓፈሻ ብመንፅር ኣቀራርባን ኣወዳድባን ገለ ጥንካረታትን ድኽመታትን ከምዘለዉ እቲ መምሃሪ መፅሓፍ ይሕብር።
dc.identifier.urihttps://repository.mu.edu.et/handle/123456789/317
dc.identifier.urihttps://doi.org/10.82589/muir-305
dc.language.isoother
dc.publisherMekelle University
dc.titleግቡእነት ትሕዝቶን ኣቀራርባን ሰዋስው መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓስራይ ክፍሊ
dc.typeThesis

Files

Original bundle

Now showing 1 - 1 of 1
No Thumbnail Available
Name:
Esayas gebrezgiher.pdf
Size:
448.3 KB
Format:
Adobe Portable Document Format

License bundle

Now showing 1 - 1 of 1
No Thumbnail Available
Name:
license.txt
Size:
1.71 KB
Format:
Item-specific license agreed to upon submission
Description: