Repository logo

ግደ ስነ ፅሑፋዊ ስራሕቲ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ኽእለት ፅሕፈት

dc.contributor.authorመንግስቱ ወልዱ ገብረማርያም
dc.date.accessioned2025-04-25T08:59:31Z
dc.date.issued2025-01-25
dc.description.abstractማራ መፅናዕቲ እዚ መፅናዕቲ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ንዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ዝቐረቡ ስነ ፅሑፋዊ ስራሕቲ ኣብ ምምዕባል ኽእለት ንዘለዎም ግደ ንምፍታሽ ዝዓለመ እዩ። ስነ ፅሑፍ ምስ ምስትሃር ቋንቋን ምስትምሃር ፅሕፈትን ብምርእኣይ ዘለዎም ምትእስሳር፣ ዓይነታት ስነ ፅሑፍ፣ ረብሓታት ስነ ፅሑፍ ብመንፅር ዕላማን ምምዕባል ኽእለትን ፅሕፈት ዝብሉ ተዳህሲሶም እዮም። ፍልፍል መረዳእታ ኰይኑ ዘገልገለ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ እንትኸውን ሜላ መአከቢ ሓበሬታ ድማ ፈተሻ ሰነድ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ እዩ። እቶም ብፈተሻ ሰነድ ዝተኣከቡ ሓበሬታታት ድማ ብዓይነታዊ ተተንቲኖም ቐሪቦም እዮም። ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ንዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ዝቐረቡ ስነ ፅሑፋት ንምስትምሃር ፅሕፈት ዝተኸተልዎ መርኣያ ቋንቋ ዘለዎ ግቡእነትን ግደ ስነ ፅሑፋዊ ስራሕቲ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ኽእለት ፅሕፈትን ተተንቲኖም እዮም። ካብ እቶም ኣብቲ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ዝቐረቡ ስራሕቲ ስነ ፅሑፍ እቶም (19) ኣራእስ ንምምዕባል ኽእለት ፅሕፈት ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ እዮም።
dc.identifier.urihttps://repository.mu.edu.et/handle/123456789/354
dc.identifier.urihttps://doi.org/10.82589/muir-296
dc.language.isoother
dc.publisherMekelle University
dc.titleግደ ስነ ፅሑፋዊ ስራሕቲ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ኽእለት ፅሕፈት
dc.typeThesis

Files

Original bundle

Now showing 1 - 1 of 1
Loading...
Thumbnail Image
Name:
Mengistu Woldu.pdf
Size:
466.08 KB
Format:
Adobe Portable Document Format

License bundle

Now showing 1 - 1 of 1
Loading...
Thumbnail Image
Name:
license.txt
Size:
1.71 KB
Format:
Item-specific license agreed to upon submission
Description: