ግቡእነት ኣተገባብራ ዕዮ ጉጅለተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊኣብምምዕባል ክእለት ዝርርብ ጠመተ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሕብረት ሽረ እንዳስላሴ
| dc.contributor.author | ኣመተብርሃን ብርሃነ | |
| dc.date.accessioned | 2025-12-27T23:40:09Z | |
| dc.date.issued | 2025-11-24 | |
| dc.description.abstract | ትኹረት እዚ መፅናዕቲ ግቡእነት ኣተገባብራ ዕዮ ጉጅለ ክፍሊተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ሕብረትኣብ ምምዕባል ክእለት ዝርርብ ንዝህልዎ ግቡእነት ዝድህሳስ እዩ፡፡ ናይዚ መፅናዕቲ ቀንዲ ዕላማታት ድማ ኣወዳድባ ተምሃሮ ኣብ ክእለት ዝርርብ ከመይ ከም ዝዀነ ምግምጋም፤ኣብቲ ዕዮ ጉጅለ ተምሃሮ ዘሎዎም ተሳትፎን ግደን ምግንዛብ፤ ኣብ ክእለት ዝርርብ ብውዳበ ወይ ጉጅለ ዝወሃቡ ንጥፈታት ምምርማር፤ ተምሃሮ ክእለት ዝርርብ ብጉጅለ ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ግደ መምህር ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ እንታይ ምዃኑ ምፍታሽ፤ኣብ ኣተገባብራ ዕዮ ጉጅለ ፀገማት ምስትምሃር ክእለት ዝርርብ ምንፃር ዝብሉ እዮም፡፡ መምህራን ክእለት ዝርርብ ንምምሕያሽ ዕዮ ጉጅለ ወሳኒ ምዃኑ ፈሊጦም ስርዓት ዘለዎ ኣወዳድባ ክህሉ፣ ብጉጅለ ንምዝርራብ ኣድለይቲ ንጥፈታት ብምፍላይ ውፅኢቱ ንምቁፅፃር እዩ፡፡ናይዞም ዕላማታት መልዐሊ ምኽንያት ጉጅለ ምይይጥ ንምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎ ረብሓ መሰረት ብምግባር ዝለዓሉ መካታዕቲ ሓሳባት መልሲ ንምሃብ ዝዓለመ እዩ፡፡በዚ መሰረት ዝተኣከቡ መረዳእታታት ብመልክዕ ቁፅራውን ገለፃውን ተተንቲኖም ቀሪቦም እዮም። ነዚ መፅናዕቲ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ከም ቀንዲ መአከቢ ሓበሬታ ተገይሮም ዝተወሰዱ ትዕዝብቲን ፈተሻ ሰነድን እዮም፡፡ ብመሰረት እዚ መፅናዕቲ ጉጅለ ምይይጥ ንምምዕባል ክእለት ዝርርብ ወሳኒ እኳ እንተዀነ ኣብ ኣተገባብርኡ ግን መምህራን ትኹረት ሂቦም ዘይሰርሕሉ ምዃኑ በዚ መፅናዕቲ ክረጋገፅ ተኻኢሉ እዩ፡፡ ስለዚ መምህራን ነዚ ፀገም ንምቕራፍ ወይ ንምፍታሕ ተዛመድቲ መፃሕፍቲ ኣብ ኣተገባብራ ዕዮ ጉጅለ ከንብቡን ብትግሃት ክሰርሑን፣ ካልኦት ተወሰኽቲ ስልጠናታት ክወሃቦምን ይግባእ፡፡ ካሊእ መምህራን ነዚ ንምትግባር ዘፀግመሎም ኩነታት ንምፍላጥ ካልኦት ተወሰኽቲ መፅናዕቲታት ክግበር ይግባእ፡፡ | |
| dc.identifier.uri | https://repository.mu.edu.et/handle/123456789/1217 | |
| dc.language.iso | other | |
| dc.publisher | Mekelle University | |
| dc.title | ግቡእነት ኣተገባብራ ዕዮ ጉጅለተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊኣብምምዕባል ክእለት ዝርርብ ጠመተ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሕብረት ሽረ እንዳስላሴ | |
| dc.type | Thesis |