Repository logo

ግቡእነት ምንባባት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ንባብ

dc.contributor.authorፅገ ገብረገርግስ ገብረማርያም
dc.date.accessioned2025-04-25T09:30:54Z
dc.date.issued2025-01-25
dc.description.abstractማራ መፅናዕቲ እዚ መፅናዕቲ ግቡእነት ምምባባት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ምንባብ ዝብል ርእሲ ሒዙ ዝተበገሰ እዩ። በዚ መሰረት ነዚ ዝቀረበ ርእሲ መፅናዕቲ ንምዕዋት ድሕረባይታ መፅናዕቲ ብዝብል ርእሲዝተፈላለዩ ምሁራን ዝብልዎ ሓሳብ ብምውሳድ ገለፃ ተገይሩሉ እዩ። እዚ ርእሲ ብዋናነት ሰለስተ ቀንዲ ዕላማታት ንምዕዋት ማለት እውን ምንባባት ኣብ ምዕባለ ክእለት ንባብ ዘለዎ ምችውን እንታይ ይመስል ምንባባት ምስተሓንፀፁ ዕላማታት ዘለዎም ዝምድናን ትሕዝቶታትን። ምንባባት ንምዕባለ ክእለት ንባብ ዘለዎም ሰሓባይነት ከመይ ይረአ ዝብሉ ሒዙ ዝተልዓለ እዩ። ነዞም ቀንዲ ዕላማታት መልሲ ንምርካብ ድማ ዳህሳስ ሰነድ ከም መሳርሒ መአከቢ መረዳእታ ዝተጠቐመ እንትኸውን መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ዘለዉዎ ትሕዝቶታት ምንባብ ዝርዝር መዐቀንታት ሰደቓ ብምድላው ዳህሳስ ሰነድ ተኻይዱ። እዚ መፅናዕቲ ዓይነታዊ ሜላ መአከቢ መሳርሒ ዝኣከቦም መረዳእታታት ብመንፅር ዝርዝር ዕላማታቱ ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘድሀቡ ሓሳባትናብሓደብምውህላል ዓይነታዊ ሜላ ትንተና ብምጥቃም ብዝርዝርሓሳባዊገለፃ ተተንቲኖም እዮም፡፡ ከም ውፅኢት ዝተረኸበ ቀንዲ ርካቦ እንትርአ ድማ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ዘለዉ ምንባባት ኣብቲ ደረጃ ክፍሊ ንዝምሃሩ ተምሃሮ ክእለት ንባብ ንምዕባል ዘለዎም ምቹውነት ዝተሓተ ከም ዝኾነ፤ እዞም ትሕዝቶታት ምንባብ ተምሃሮ ክምሃሩዎም ምስ ዝተሓንፀፁ ዕላማታት ዘለዎም ዝምድና ፀገማት ከም ዘለዉዎ ብፍላይ ዝርዝርን ክዕቀኑ ዝኽእሉ ዕላማታት ኣብ ምቕማጥ ሕፅረታት ከም ዘለዉ፤ ከምኡውን እዞም ምንባባት እዚኦም ንምዕባለ ክእለት ንባብ ዘለዎም ሰሓባይነት ክንድቲ ዝድለ ሰሓባይ ከም ዘይኮነን ዘለዎም ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ኣብ ተምሃሮ ናይ ምስልቻው ኩነታት ከምዝፈጥርን ነቲ ዝተደለየ ክእለት ቋንቋ ኣዘውቲሮም ናይ ምልምማድ ዕድል ንክንእስ ፅልዋ ከም ዘሕደረ ዝብሉ ወሰንቲ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም።
dc.identifier.urihttps://repository.mu.edu.et/handle/123456789/358
dc.identifier.urihttps://doi.org/10.82589/muir-299
dc.language.isoother
dc.publisherMekelle University
dc.titleግቡእነት ምንባባት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ንባብ
dc.typeThesis

Files

Original bundle

Now showing 1 - 1 of 1
Loading...
Thumbnail Image
Name:
Tsige Gebregergs.pdf
Size:
261.39 KB
Format:
Adobe Portable Document Format

License bundle

Now showing 1 - 1 of 1
Loading...
Thumbnail Image
Name:
license.txt
Size:
1.71 KB
Format:
Item-specific license agreed to upon submission
Description: