ዝምድና ዕላማ ትምህርትን ግቡእነት ኣገባብ ኣፈታትና ክእለት ንባብ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ቤት ትምህርቲ ዳዩ 201 7 ዓ.ም
| dc.contributor.author | ጎተይቶም መንገሻ ሞላ | |
| dc.date.accessioned | 2025-12-30T10:20:15Z | |
| dc.date.issued | 2025-12-25 | |
| dc.description.abstract | ቀንዲ ዕላማ እዚ መፅናዕቲ ዝምድና ዕላማ ትምህርትን ግቡእነት ኣገባብ ኣፈታትና ክእለት ንባብ መምህራን ቋንቋ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ቤት ትምህርቲ ዳዩ 201 7ዓ.ም. ዘለዎም ዝምድና ምግምጋም እዩ። እዚ ኣብ ዳህሰሳዊ ዓይነት መፅናዕቲ ዝምደብ ኮይኑ እዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ንምዕዋት ፈተሻ ሰነድ ዕሉም ሜላ ኣመራርፃ ብምጥቃም ኣድለይቲ ዝበሃሉ መረዳእታታት ተኣኪቦም እዮም።ኣብቶም ፈተናታት ዝርከቡ ትሕዝቶታት ምስቲ ናይቲ ብርኪ ትምህርቲ ዕላማታት ብኸመይ ከም ዝዛመዱ ንምግምጋም ኣድለይቲ ዝበሃሉ ሰነዳት መርሃ ትምህርቲ፣ መምርሒ ንመምህርን መፅሓፍ ተምሃራይን ከምኡ እዉን ኣብ 201 7ዓ.ም. ተዳልዮም ዝቐረቡ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ሰሚስተር ሚድን መጠቓለሊ ፈተናታት ከም መርኣያ ተወሲዶም ኣብኦም ዝተረኸበ መረዳእታታት ድማ ብመጠናዉን ዓይነታዉን ሜላ መፅናዕቲ ተጠቒሙ ብገለፃዊ ትንተና ቐሪቡ እዩ።ኣብዚ ዝተረኸበ ዉፅኢት ድማ እቶም ናይቲ ብርኪ ዕላማ ትምህርቲ ንኹሎም ክእለታት ቋንቋ ኣካቲቶም ዝቐረቡ እንትኾኑ ኣብ 201 7ዓ.ም. ብመምህራን ቤት ትምህርቲ ዳዩ ተዳልዮም ዝቐረቡ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ሰሚስተር ሚድን መጠቓለሊን ፈተናታት ግን ንክእለት ምድማፅ፣ ዝርርብን ንባብን ሙሉእ ብሙሉእ ኣየካተቱን።ኣብ 201 7ዓ.ም. ብመምህራን ቤት ትምህርቲ ዳዩ ተዳልዮም ዝቐረቡ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ሰሚስተር ሚድን መጠቓለሊን ፈተናታት ምስ ዕላማታት ትምህርቲ መምርሒ ንመምህር፣ መርሃ ትምህርቲን መፅሓፍ ተምሃራይን ዘለዎ ርክብ እንትንግምግም ድማ ምንም ዝምድና ይኹን ኣግባብነት ከምዘይብሉ እቶም ዝቐረቡ መረዳእታታት የመልክቱ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ብመምህራን ቤት ትምህርቲ ዳዩ ኣብ ዝዳለዉ ፈተናታት ክእለት ንባብ ቋንቋ ትግርኛ 9ይ ክፍሊ ክንዲዝከኣል ምስ ዕላማታት ትምህርቲ ተዛሚዶም ኣግባብ ብዘለዎ መንገዲ ንኽቐርቡ፤ ከምኡ ውን ንመምህራን ነዚ ዘዕባ መሰረት ዝገበሩ ስልጠናታትን ተመኮሮ ልውውጣትን ብዝምልከቶም ኣካላት እንተዝዋሃብ ዝብል ብለበዋ ቐሪቡ ኣሎ። | |
| dc.identifier.uri | https://repository.mu.edu.et/handle/123456789/1227 | |
| dc.language.iso | other | |
| dc.publisher | Mekelle University | |
| dc.title | ዝምድና ዕላማ ትምህርትን ግቡእነት ኣገባብ ኣፈታትና ክእለት ንባብ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ቤት ትምህርቲ ዳዩ 201 7 ዓ.ም | |
| dc.type | Thesis |