College of Social Sciences and Languages
Permanent URI for this communityhttps://repository.mu.edu.et/handle/123456789/27
Browse
Item ግደ ስነ ፅሑፋዊ ስራሕቲ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ኽእለት ፅሕፈት(Mekelle University, 2025-01-25) መንግስቱ ወልዱ ገብረማርያምማራ መፅናዕቲ እዚ መፅናዕቲ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ንዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ዝቐረቡ ስነ ፅሑፋዊ ስራሕቲ ኣብ ምምዕባል ኽእለት ንዘለዎም ግደ ንምፍታሽ ዝዓለመ እዩ። ስነ ፅሑፍ ምስ ምስትሃር ቋንቋን ምስትምሃር ፅሕፈትን ብምርእኣይ ዘለዎም ምትእስሳር፣ ዓይነታት ስነ ፅሑፍ፣ ረብሓታት ስነ ፅሑፍ ብመንፅር ዕላማን ምምዕባል ኽእለትን ፅሕፈት ዝብሉ ተዳህሲሶም እዮም። ፍልፍል መረዳእታ ኰይኑ ዘገልገለ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ እንትኸውን ሜላ መአከቢ ሓበሬታ ድማ ፈተሻ ሰነድ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ እዩ። እቶም ብፈተሻ ሰነድ ዝተኣከቡ ሓበሬታታት ድማ ብዓይነታዊ ተተንቲኖም ቐሪቦም እዮም። ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ንዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ዝቐረቡ ስነ ፅሑፋት ንምስትምሃር ፅሕፈት ዝተኸተልዎ መርኣያ ቋንቋ ዘለዎ ግቡእነትን ግደ ስነ ፅሑፋዊ ስራሕቲ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ኽእለት ፅሕፈትን ተተንቲኖም እዮም። ካብ እቶም ኣብቲ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ዝቐረቡ ስራሕቲ ስነ ፅሑፍ እቶም (19) ኣራእስ ንምምዕባል ኽእለት ፅሕፈት ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ እዮም።