Department of Tigrigna Language, Literature and Folklore
Permanent URI for this collectionhttps://repository.mu.edu.et/handle/123456789/133
Browse
Search Results
Item ግቡኡነት ኣዯላልዋ መልመዴታት ክእለት ሰዋሰው መፅሓፍ ተምሃራይ ቋንቋ ትግርኛ ብዯረጃ ታሽዒይ ክፍሊ(Mekelle University, 2025-01-25) ይባልህ ዝበሎ ገ/ኪዲንማራ ፅሑፍ እዚ ኣዯላልዋ መልመዴታት ክእለት ሰዋሰው መፅሓፍ ተምሃራይ ቋንቋ ትግርኛ ታሽዒይ ክፍሊ ዝብል ኮይኑ ቀንዱ ዕላማ ናይዚ መፅናዕቲ ኣብዚ ዯረጃ ክፍሊ ዘለው መልመዴታት ሰዋሰው ኣዯላልኦም እንታይ ይመስል ግብእነቶም እንታይ ይመስል ንምፍታሽ ዝዒለመ መፅናዕቲ እዩ:: ኣዯላልዋን ግብእኖቶምን መልመዴታት ሰዋሰው እንታይ ይመስል? ዝብሉን ኣገዯስቲ ነጥብታት መሰረት ገይሩ ዝተልዒለ መፅናዕቲ እዩ:: ካብቲ ዝተረኽበ መረዲእታን ትንተናን ዝተርኣዩ ሕፅረታት ገሊኦም ምዕራፊት ጠቅላላ መልመዱ ሰዋሰው ዘይብሎም፣ ኣብቶም ምዕራፊት ዘለው መልመዴታት ሰዋሰው ተመጣጣንነት ዘይምህላው፣ በቢምዕራፍ ዝርከቡ መልመዴታት ግብእነቶም ምህላዎም፣ምስ ዒቅሚ ተምሃሮ ዘይመጣጠኑ ሕቶታት ምህላው፣ሽፊን ሰዋሰው ውሕዴ ምካን፣ ኣብ መንጎ እቶም መልመዴታት ሰዋሰው ተኽታታልነት ዘይምህላው፣ግልፂ ዘይኮኑን መሻመይትን ሕቶታት ምህላው እዩም::ነዞም ዝተጠቐሱ ክፍተታት ከም መፍትሒ ሓሳብ ዝተወሰደ ዴማ ኣብ ከሎም ምዕራፊት መልመዴታት ሰዋሰው ክካተቱ ተዝግበር፣ ኣብቶም ምዕራፊት ዘለው መልመዴታት ሰዋሰው ሽፊን ተመጣጢኖም ተዝዲለው፣ ናይቶም መልመዴታት ምዴግጋም ሰዋሰው ክቅንስ ተዝግበር ዝብሉ ይርከብዎም::Item ግቡእነት መልመድታት ኣንቢብካ ምርዳእ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ዝርርብ(Mekelle University, 2025-01-25) ፅጌ መሰለማራ መፅናዕቲ እዚ መፅናዕቲ ኣብ መፅሓፍ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ትሕዝቶታት ኣንቢብካ ምርዳእ ኣብ ምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎም ግቡእነት እንታይ ከም ዝመስል ይፍትሽ። ቀንዲ ዕላማ እዚ መፅናዕቲ ኣብ መፅሓፍ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ዝተቐመጡ ትሕዝቶታት ኣንቢብካ ምርዳእ ንምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎም ግቡእነት ምፍታሽ እንትኸውን ኣብ ግንዛበ መልመድታት ንክእለት ዝርርብ ዝምልከት ምኳኑ ምፍታሽ ፤ዑደታዊ ደረጃታት ዝርርብ ብትሕዝቶታት ኣንቢብካ ምርዳእ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ምፍታሽ፤ዝምድና ኣንቢብካ ምርዳእን ምምዕባል ክእለት ዝርርብ ዘለዎም ግቡእነት ምፍታሽ ዝብሉ ድማ ዝርዝር ዕለማታት እዮም። ነዚ መፅናዕቲ ንክካየድ መልዐሊ ዝኾነ ሓሳብ ነዚ መምሃሪ መፅሓፍ ተጠቒምካ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ዝትግበረሉ እዋን ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ዘለዉ ናይ ኣንቢብካ ምርዳእ መልመድታት ንምምዕባልን ምስትምሃርን ክእለት ዝርርብ ሓገዝቲ ዘይኾንሉ ትዕዝብቲታት ብምህላዎም እዩ። ኣብዚ መፅናዕቲ ቀንዲ ተፀናዒ እቲ መፅሓፍ ባዕሉ እዩ። ብምሉእነት ሰነድ ፍተሻ ምስ ሳይንሳዊ ሓቅታት ዝተኣሰሰረ ትንተና ዘለዎ እዩ። ሰነድ ፍተሻ ሜላ መአከቢ መረዳእታ ኮይኑ እዚ ተፀናዕን ኣገባብ ኣተኣኻኽባ መረዳእታን ዕሉም ብዝኾነ ኣገባብ ዝተሓረዩ እዮም። እዚ መፅናዕቲ ዓይነታዊ እዩ። ዝበዝሑ መረዳእታታት ዓይነታዊ ብዝኾነ ኣገባብ እዮም ተተንቲኖም። እዚ እንትብሃል ኣብ መፅሓፍ ዘለዉ ናይ ኣንቢብካ ምርዳእ ትሕዝቶታት ምስ ዑደታዊ ደረጃታት ዝብሃሉ ሳይንሳዊ ኣመሃህራ ዝርርብ ብኣንቢብካ ምርዳእ እናተኣሰሰረ ዝቐረበ ትንተና እዩ። ክእለት ዝርርብ ኣብ ናይ ግንዛበ መልመድታት ዝምልከቱ ምኻኖም ንፅፅራዊ ብዝመስል ኣገባብ ተተንቲኑ። ናይዚ መፅናዕቲ ውፅኢት ብምንባብ ኣቢልካ ንክእለት ዝርርብ ኣብ ምስትምሃር ብጣዕሚ ዝንኣሰ ከም ዝኾነን ዝተውሃቦ ጠመተን እውን ምስቶም ካልኦት ክእለታት ቋንቋ ዝተመጣጠነ ኣይኮነን።አብ ኩሎም ናይዚ መፅሓፍ ምዕራፋት ናይ ቅድመ ንባብ ንጥፈታት ብዝግባእ ተግባራዊ ኮይኑ እዩ። ካልኣይ ዑደታዊ ደረጃ ምስትምሃር ዝርርብ ማለት እውን ብዕምቆት ምንባብ ብክፋል ተግባራዊ ዝኾነን ምሉእነት ዘይብሉን እዩ። እቶም ካልኦት ዑደታዊ ደረጃታት ማለት እውን ጉጅላዊ ዘተ፣ ውልቃዊ ገለፃ ምግባርን ሓፈሻዊ ነፀብራቕን ዝብሉ ኣብዚ መፅሓፍ ዝቐረቡ ናይ ኣንቢብካ ምርዳድእ መልመድታት ተግባራዊ ዘይገብር እዩ። ብሓፈሻ ናይ ግንዛበ መልመድታት ንክእለት ዝርርብ ኣብ ምምዕባል ዝንኣሰ ኣስተዋፅኦ ዘለዎም እዮም።ስለዚ መፅሓፍ ትግርኛ ኣብ ምሕታም ዝነጥፉን ብሓላፍነት ዝሰርሕ ትካል ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ካልኦት ውልቀ ኣካላትን ንባብ ሓደ ንክእለት ዝርርብ ንምስትምሃር ዝሕግዝ ዓብዪ ትሕዝቶ ከም ዝኾነ ብምግንዛብ ክሰርሑ፤ ዑደታዊ ደረጃታት ምስትምሃር ዝርርብ ብኣንቢብካ ምርዳእ ብኣግባቡ ክቐርቡን ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዓይ ክፍሊ ክቐርቡን ግቡእነት ክህልዎምን ኣለዎም ዝብል ርኢቶን ለበዋን መዳለዊት እዚ መፅናዕቲ ተቕርብ ትደሊ።Item ግቡእነት ምንባባት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ንባብ(Mekelle University, 2025-01-25) ፅገ ገብረገርግስ ገብረማርያምማራ መፅናዕቲ እዚ መፅናዕቲ ግቡእነት ምምባባት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ክእለት ምንባብ ዝብል ርእሲ ሒዙ ዝተበገሰ እዩ። በዚ መሰረት ነዚ ዝቀረበ ርእሲ መፅናዕቲ ንምዕዋት ድሕረባይታ መፅናዕቲ ብዝብል ርእሲዝተፈላለዩ ምሁራን ዝብልዎ ሓሳብ ብምውሳድ ገለፃ ተገይሩሉ እዩ። እዚ ርእሲ ብዋናነት ሰለስተ ቀንዲ ዕላማታት ንምዕዋት ማለት እውን ምንባባት ኣብ ምዕባለ ክእለት ንባብ ዘለዎ ምችውን እንታይ ይመስል ምንባባት ምስተሓንፀፁ ዕላማታት ዘለዎም ዝምድናን ትሕዝቶታትን። ምንባባት ንምዕባለ ክእለት ንባብ ዘለዎም ሰሓባይነት ከመይ ይረአ ዝብሉ ሒዙ ዝተልዓለ እዩ። ነዞም ቀንዲ ዕላማታት መልሲ ንምርካብ ድማ ዳህሳስ ሰነድ ከም መሳርሒ መአከቢ መረዳእታ ዝተጠቐመ እንትኸውን መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ዘለዉዎ ትሕዝቶታት ምንባብ ዝርዝር መዐቀንታት ሰደቓ ብምድላው ዳህሳስ ሰነድ ተኻይዱ። እዚ መፅናዕቲ ዓይነታዊ ሜላ መአከቢ መሳርሒ ዝኣከቦም መረዳእታታት ብመንፅር ዝርዝር ዕላማታቱ ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘድሀቡ ሓሳባትናብሓደብምውህላል ዓይነታዊ ሜላ ትንተና ብምጥቃም ብዝርዝርሓሳባዊገለፃ ተተንቲኖም እዮም፡፡ ከም ውፅኢት ዝተረኸበ ቀንዲ ርካቦ እንትርአ ድማ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ዘለዉ ምንባባት ኣብቲ ደረጃ ክፍሊ ንዝምሃሩ ተምሃሮ ክእለት ንባብ ንምዕባል ዘለዎም ምቹውነት ዝተሓተ ከም ዝኾነ፤ እዞም ትሕዝቶታት ምንባብ ተምሃሮ ክምሃሩዎም ምስ ዝተሓንፀፁ ዕላማታት ዘለዎም ዝምድና ፀገማት ከም ዘለዉዎ ብፍላይ ዝርዝርን ክዕቀኑ ዝኽእሉ ዕላማታት ኣብ ምቕማጥ ሕፅረታት ከም ዘለዉ፤ ከምኡውን እዞም ምንባባት እዚኦም ንምዕባለ ክእለት ንባብ ዘለዎም ሰሓባይነት ክንድቲ ዝድለ ሰሓባይ ከም ዘይኮነን ዘለዎም ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ኣብ ተምሃሮ ናይ ምስልቻው ኩነታት ከምዝፈጥርን ነቲ ዝተደለየ ክእለት ቋንቋ ኣዘውቲሮም ናይ ምልምማድ ዕድል ንክንእስ ፅልዋ ከም ዘሕደረ ዝብሉ ወሰንቲ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም።Item ዕሊማ ምእታውን ግቡእነትኣቀራርባን ስነቃሊት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዒይ ክፍሉ(Mekelle University, 2025-01-25) ፀጋ መኮነን ሃይለማራ ሓሳብ እዙ መፅናዕቲ ኣብ ዕሊማ ምእታውን ግቡእነት ኣቀራርባን ስነቃሊት መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዒይ ከፍሉ ኮይኑ ብዋናነት ኣብዙ ዜኣተዉ ስነቃሊት ንምንታይ ዕሊማ ከምዜኣተዉን ግቡእነት ኣቃራርበኦም እንታይ ከምዜመስሌ ብምፍታሽ መፅናዕቲ ተኻይደ እዩ፡፡ እዙ መፅናዕቲ ንምክያዴ መበገሲ ዜኾነ ሓሳብ ኣብ ከይዱ ምምሃር ምስትምሃር ቋንቋ ትግርኛ ንምምሃር ዜኣተዉ ስነቃሊት ትኹረት አይግበረልምን ብዕሊማ ኣይኣተዉን ዜብሌ ሓሳብ ስሇ ዜቐርብን ነዙ ንምርግጋፅ ኣብ ተግባር ዜወዒሇ ዕሊማን ግቡእነት አቀራርብኡን ንምትንታን እዩ ፡፡ሜሊ ኣፀናነዒ ዴማ ኣገዯስቲ ሕቶታት ዜምሌሱ ካብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዲህሳስንዕምቆታዊ ንባብ መረዲእታ ተኣኪቦም እዮም ፡፡ ዜተኣከቡ መረዲታታት ብሜሊ መጠናውን ዒይነታውን ትንተና ተተንቲኖም ቀሪቦም እዮም ፡፡ ውፅኢት ናይዙ መፅናዕቲ ዴማ ዜተኻተቱ ዒይነታት ስነቃሊት መጠኖም ትሑት፣ብዒይነቶምን ብበዜሖምንይመጣጠኑ ምኻን፣ንፁር ዕሊማ ይምህሊዎም ፣ግቡእነት ኣቀራርበኦም ትሑት፣ትሕዜቶንምምሃር ዜኣተው ስነቃሊት ኣብ ስነሌሳን ምኻኑ ተረጋጊፁ እዩ፡፡ ኣብ መወዲእታ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዜኣተው ስነቃሊት በዜሖምን ዒይነቶምን ተመጣጠንቲ ክኾኑ ይግባእ ። ብፍሊይ ኣብ ምዴሊው መፅሓፍ ተምሃራይ እትሳተፈ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ስነቃሊት ዕሊመኦም ተነፂሩ፣ክእሇታትንባእታታትን ቋንቋ መሰረት ገይሩ ንክዲሇው ንዜምሌከቶም ኣካሊት ተሓቢሩ እዩ፡፡Item ግቡእነት ኣቀራርባ መልመድታት ክእለት ምድማፅ መፅሓፍ ቋንቋትግርኛ ዓስራይ ክፍሊ ብመንፅር ምምዕባል ክእለት ምድማፅ(Mekelle University, 2025-02-25) ትርሓስ ግደይ ረዳItem ግቡእነት መምርሕታት መፅሓፌ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዒይ ክፌሉ ብመንፅር ዕሊማን ትሕዜቶ ስነ ፅሑፌ ንምስትምሃር ቋንቋን(Mekelle University, 2025-09-25) ሰልሞን ፌፁምብርሃን ገብሩማራ መፅናዕቲ ዕሊማ እዙ መፅናዕቲ ኣብ መፅሓፌ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዒይ ክፌሉ ዜርከቡ መምርሕታት ስነ-ፅሑፌ ንምስትምሃር ቋንቋን ግቡእነቶም ብመንፅር ዕሇማን ትሕዜቶ ስነ-ፅሑፌ ንምስትምሃር ቋንቋን ምፌታሽ ነይሩ። እዙ ንምትግባር ኣብቲ መፅሓፌ ሇዉ መምርሕታት ስነ-ፅሑፌ ንምስትምሃር ቋንቋ ኩልም ብዕለም ሜሊ ተፀናዕቲ ኮይኖም፤ መረዲእታ ተኣኪቡልም። በዙ መሰረት ነዝም መምርሕታት ንምግምጋም የኽእለ ብዜተባሃለ ዒሰርተ መጥሇሉ ነጥብታት እቶም መምርሕታት ተገምጊሞም። ከም ውፅኢት ዴማ እቶም መምርሕታት መብዚሕትኦም ብዕሊማን ትሕዜቶ ስነ-ፅሑፌ ንምስትምሃር ቋንቋን ግቡኣት ኮይኖም ተረኺቦም። ኣብ ገሉኦም መምርሕታት ዴማ ንፁርነት ይምህሊው፣ መምርሕታት ይምህሊው፣ ብተምሃሮን መምህራንን ዜስርሑ ዕዮታት ይምንፃር፣ ካብቲ ስነ-ፅሑፌ ዜተወሰዯን ንምንታይ ከም ዜቐረበን ዜገሌፅ መነፀርታ ይምሓዜን ተርእዮታት ተራእዮም። በዙ ዴማ መምርሕታት ብዜምሌከቶም ኣካሊት እንትዲሇዉ ንፁራትን ንምስትምሃር ቋንቋ ብዜጥዕምን ኣገባብ ክዲሇዉ ኣሇዎም ዜብሌ ሇበዋ ተዋሂቡ።Item ግደ ስነ ፅሑፋዊ ስራሕቲ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ኽእለት ፅሕፈት(Mekelle University, 2025-01-25) መንግስቱ ወልዱ ገብረማርያምማራ መፅናዕቲ እዚ መፅናዕቲ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ንዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ዝቐረቡ ስነ ፅሑፋዊ ስራሕቲ ኣብ ምምዕባል ኽእለት ንዘለዎም ግደ ንምፍታሽ ዝዓለመ እዩ። ስነ ፅሑፍ ምስ ምስትሃር ቋንቋን ምስትምሃር ፅሕፈትን ብምርእኣይ ዘለዎም ምትእስሳር፣ ዓይነታት ስነ ፅሑፍ፣ ረብሓታት ስነ ፅሑፍ ብመንፅር ዕላማን ምምዕባል ኽእለትን ፅሕፈት ዝብሉ ተዳህሲሶም እዮም። ፍልፍል መረዳእታ ኰይኑ ዘገልገለ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ እንትኸውን ሜላ መአከቢ ሓበሬታ ድማ ፈተሻ ሰነድ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ እዩ። እቶም ብፈተሻ ሰነድ ዝተኣከቡ ሓበሬታታት ድማ ብዓይነታዊ ተተንቲኖም ቐሪቦም እዮም። ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ንዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ዝቐረቡ ስነ ፅሑፋት ንምስትምሃር ፅሕፈት ዝተኸተልዎ መርኣያ ቋንቋ ዘለዎ ግቡእነትን ግደ ስነ ፅሑፋዊ ስራሕቲ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ኣብ ምምዕባል ኽእለት ፅሕፈትን ተተንቲኖም እዮም። ካብ እቶም ኣብቲ መፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ዝቐረቡ ስራሕቲ ስነ ፅሑፍ እቶም (19) ኣራእስ ንምምዕባል ኽእለት ፅሕፈት ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ እዮም።Item ግቡእነት ኣቀራርባ መሌመዴታት ቃሊት መፅሓፌ ተምሃራይ ትግርኛ ንታሽዒይ ክፌሉ(Mekelle University, 2025-01-25) መብርሂት ገብረእግዙኣብሄር ገብረማራ ሓሳብ ቀንዱ ዕሊማ እዙ መፅናዕቲ ኣብ ግቡእነት ኣቀራርባ መሌመዱታት ቃሊት ቋንቋ ትግርኛ መፅሓፌ ተምሃራይ ንታሽዒይ ክፌሉ እዩ። እዙ ዕሊማ ተግባራዊ ንክኸውን ዜተመረፀ ስሌቲ ገሊፂ ሜሊ ኮይኑ፤ ብፌተሻ ሰነዴ ንዜተረኸቡ መረዲእታታት ብገሊፂ ሜሊ ተተንቲኑ ቀሪቡ ኣል። ፇተሻ ሰነዴ ኣብ መፅሓፌ ተምሃራይ፥ መምርሒ ንመምህርን መርሃ ትምህርቲን ሇዉ ቃሊት ብቀስቃሳይነትን ዜንባሇን፣ ብዴሕረ ባይታ ተምሃሮ፣ ብዒቕሚ ተምሃሮን እዋናወነት ትሕዜቶን ነቶም ቃሊተ ተፇቲሾም። ብመሰረት እዙ ዜተኻየዯ መፅናዕቲ ኣብ ግቡእነት ኣቀራርባ መሌመዱታት ቃሊት ኣወንታውን ኣለታውን ርካቦታት ውፅኢት መፅናዕቲ ተረኺቡ።Item ግቡእነት ኣቀራርባ ስነ ፅሑፌ መፅሓፌ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዒይ ክፌሉ ብመንፅር ምስትምሃር ቋንቋ(Mekelle University, 2025-02-25) ገረዜጊሄር ብርሃነ ገብረኪዲንማራ መፅናዕቲ እዙ መፅናዕቲ ግቡእነት ኣቀራርባ ሰነ ፅሑፌ ኣብ መፅሓፌ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዒይ ክፌሉ ዴሀበ ኯይኑ፤ ሒዜዎ ዜተበገሰ ቀንዱ ዕሊማ እዙ መፅናዕቲ ግቡእነት ኣቀራርባ ትሕዜቶ ስነ ፅሑፊዊ ስራሕቲ ምስትምሃር ቋንቋ ትግርኛ መፅሓፌ ተምሃራይ ታሽዒይ ክፌሉ ብመንፅር ምስትምሃር ቋንቋ ብስነ ፅሑፌ እንታይ ከምዜመስሌ ምግምጋም እዩ። ንዴፉ እዙ መፅናዕቲ ኣብ ገምጋማዊ መፅናዕቲ ዜምዯብ ኮይኑ፤ ኣብ’ዙ መፅናዕቲ ብቐንዱ መፅናዒይ ዜተጠቐመለ መአከቢ መረዲእታ ዲህሳስ ሰነዴ (ትንተና መፅሓፌ) መምሃሪ መፅሓፌ ተምሃራይ ታሽዒይ ክፌሉ እዩ። ብዲህሳስ ሰነዴ ዜተረኸቡ መረዲእታታት ዒይነታዊ ኣቢሇካ ንምትንታን ተኻኢለ ኣል። ውፅኢት እዙ መፅናዕቲ ከም መሊኽቶ ኣብ መምሀሪ መፅሓፌ ተምሃራይ ትግርኛ ታሽዒይ ክፌሉ ሇዉ ትሕዜቶታት ስነፅሑፌ ብመዲይ ምዕባይ መርአያ ቋንቋ ሇዎም ብቕዒት እንትረአ ዜዒ እጃም ከምሇዎም የመሊኽት። ብተወሳኺ እቶም ስነ ፅሑፊት ምስ ባህሌን ሌምዴን እቶም ተምሃሮ ንፀባርቑ፤ ምሰ ናይ ተምሃሮ ባህሊዊ ዴሕረ ባይታ ተሳንዮም ከም ዜቐረቡ የረዴእ።ብተመሳሳሉ ምስ መርኣያ ዕቤት ውሌቀ ስብእና ተምሃሮ ብምትሕሓዜ እቶም ኣብ ውሽጢ መምሃሪ መፅሓፌ ታሽዒይ ክፌሉ ሇው ስነ ፅሑፊት ተምሃሮ እናተዋዩን መንፇሶም ብምህዲስን፤ ዒርሶም በቶም ዜቐረቡ ስነ ፅሑፊት ክሃንፁ የኽእሌዎም። ኣብ’ዙ ከም ክፌተት ዜሊዒሌ ጉዲይ ኣብ ምዕባይ መርኣያ ቋንቋ ክእሇት ስዋስውን መዋቕርን ኣብ ምምሃር ትኹረት አይገበረን። ስሇዙ መምህራን ኣብ እዋን ምስትምሃር ቋንቋ ትግርኛ ስነ ፅሑፊት ተምሃሮ ኣእምሮኣዊን ፌሌጠታውን ሇውጥታት ከምዜግቡ ስሇዜሕግዘ ኣብ ከይዱ ስርሖም ብቀፃሌነት ክጥቀምልም ይግባእ።Item ሽፋንን ረብሓን ስነቃላት ንምስትምሃር ክእለታት ቋንቋ ኣብ መምሃሪ መፅሓፍ ተምሃራይ ዓስራይ ክፍሊ ትግርኛ(Mekelle University, 2025-04-28) ገዛችን ነጋሽ በርሀማራ ፅሑፍ ናይ እዚ መፅናዕቲ ዋና ዕላማ ኣብ መምሃሪ መፅሓፍ ትግርኛ ዓስራይ ክፍሊ ስነ ቃላት ዝተዋሃቦም ሽፋን ፣ዘለዎም ረብሓን ኣብ ምምሃር ክእለት ቋንቋን ምፍታሽ እዩ። እዚ መፅናዕቲ ንምክያድ መፅንዒት ዝተጠቐመትሉ መአከቢ መረዳእታ ፈተሻ ሰነድ እዩ። ዝተረኸቡ መረዳእታታት ድማ ብዓይነታውን ኣሃዛዊን ብዝኾነ መንገዲ ተተንቲኖም ቀሪቦም። መፅንዒት ነዚ መፅናዕቲ ንምክያድ ዘላዓዓላ ኣብ መምሃሪ መስተምሃሪ መፅሓፍ ተምሃራይ ዓስራይ ክፍሊ ንስነ ቃላት ዝተወሃቦም ሽፋን ክንደየናይ እዩ? ክእለት ቋንቋ ንምስትምሃር ዘለዎም ግደ ከ እንታይ ይመስል? እቶም ዝተኻተቱ ስነቃላት ተምሃሮ ዝርብሕሉ መንገዲ እንታይ እዩ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶትት ንምምላስ እዩ።ብመሰረት እዚ መፅንዒት ብሜላ መአከቢ መረዳእታ ፈተሻ ሰነድ ተጠቒማ ብዝገብረቶ መፅናዕቲ እዚ ዝስዕብ ውፅኢት ተረኺቡ ኣሎ። ንሱ እውን ፦ኣብ መምሃሪ ምፅሓፍ ተምሃራይ ትግርኛ ዓስራይ ክፍሊ ስነቃላት ዝተወሃቦም ሽፋን ዝሐሸ ምዃኑ፤ ከምኡ እውን ኣርባዕቲኦም ክእለት ቋንቋ ንምስትምሃር ትሑት ምዃኖምን ኣብዘሐኦም ኣብ ምሃብ ፍትሒት ጥራሕ ዝተኮሩ ምዃኖም፤ እቶም ዝተኻተቱ ስነቃላት እውን ኮነ ተባሂሉን ተምሃሮ ይረብሑ እዮም ፣ ክእለታት ንምስትምሃር ይሕግዙ እዮም፣ ተባሂሎም ተሓሲብሎም ዝተኻተቱ ኣይኮኑን ። ብመሰረት እዚ መፅንዒት ዘቐመጠቶ መፍትሒ ሓሳብ ድማ ኣብ ዝዳለዉ መምሃሪ መፃሕፍቲ ተምሃራይ ትግርኛ ንስነቃላት ትኹረት ተገይርሎም እኹል ዝኾነ ሽፋን ክወሃቦምን ትሕዝቶኦም ድማ እቶም ክእለታት ቋንቋ መሰረት ብምግባር ክዳለዉ ከም ዘለዎም እዩ። እዙይ ድማ ናይ ሓደ ክልተ ኣካላት ተበግሶ እንተይኮነስ ኣብ ዕብየት ቋንቋ ትግርኛ ተርኡ ክዋፃእ ዝግበኦ ኩሉ ካብ ውልቀ ሰባት ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዎት መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝምልከቶምን ክሓስብሉን ክሰርሕሉን ከም ዝግባእ እዩ።ብሓፈሻ እዚ መፅናዕቲ ሓሙሽተ ምዕራፋት ዝሓዘ እዩ። ምዕራፍ ሓደ ፤ መእተዊ ኮይኑ ኣብ ትሕቲኡ ድሕረ ባይታ መፅናዕቲ፣ ሓተታ ፀገም መፅናዕቲ ዘጋጠሙ ፀገማትን እዮም። ምዕራፍ ክልተ፤ ዳህሳስ ተዛመድቲ ክልሰ ሓሳባትን ተዛመድቲ ቅዱማት መፅናዕትን ዝሓዘ እዩ። ምዕራፍ ሰለስተ፤ ሜላ ኣፀናንዓ፣ ምዕራፍ ኣርባዕተ፣ትንተና መረዳእታ፣ ምዕራፍ ሓሙሽተ ፣መጠቐለልን ለበዋን ሒዙ ይርከብ።